ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ሰረጀቓን ዞባ ደቡብ – ንኡስ ዞባ ዓረዛን፡ ብኮም ዝተዋጽአ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ፡ ንጽጉማት ስድራ-ቤታት፡ ስድራ ስዉኣትን ናበይቲ ስንኩላን ወገናትን ተመቓሪሑ።

ብመሰረት ሓበሬታ ወኪላት ኤሪና፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ – ምምሕዳር ከባቢ ወኪ፡ ብገበርቲ ሰናይ ዝተለገሰ ልዕሊ 400 ሽሕ ናቕፋ፡ ብምምሕዳር ንዝተለለዩ ጽጉማት ተዓዲሉ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ድማ፡ ሲቭል ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ወርሓዊ ደሞዞም ዘዋጽእዎ 83 ሽሕ ናቕፋ፣ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተለገሰ 15 ሽሕን 500 ናቕፋ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንስድራ ስዉኣት ተኸፋፊሉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ‘ኤሪትርያን ዩኒቲ ዎርልድ-ዋይድ ኢ.ፒ.ኤል.ኤፍ.1’ ኣብ ዝተባህለ ጉጅለ ፓልቶክ ዝጥርነፉ ሃገራውያን፡ 3 ሽሕን 761 ዩሮ ንስድራ ስዉኣት ከምዘበርከቱ፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ዝግበር ዘሎ ደገፍ ንጽጉማት ወገናት፡ መርኣያ ናይቲ “ሓድሕድ ምትሕግጋዝ” ዝሕመረቱ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ይፍለጥ።

Categories