ካብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ኣብ ዝተፈላለያ ንኡስ ዞባታት ደቡብ ዝተኸስተ ወራር ዕስለታት ኣንበጣ ንምቊጽጻር ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ፡ ብዝተዋሃሃደ መኸተ ህዝቢ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ምምሕዳራትን ክኢላታት ሕርሻን ብኣድማዕነት ይቕጽል ከምዘሎ፡ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር’ቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ካብ 20 ክሳብ 27 ጥቅምቲ ኣብ ንኡስ ዞባታት ድባርዋ፡ መንደፈራ፡ ዓዲ-ዃላ፡ እምኒ-ሓይሊ፡ ሰንዓፈን ዓዲ-ቐይሕን ኣብ 19 ቦታታት ወራር ዕስለታት ኣንበጣ ከምእተራእየ፣ ድሕሪ ዝተወስደ ቅልጡፍ ናይ ምንጻግ መድሃኒት ስጉምቲ ድማ፡ ኣብ ሕርሻታትን መገሃጫታትን ዝጥቀስ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ይኣቱ ከምዘሎ፡ እቲ ቤት-ጽሕፈት ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ካብ መፋርቕ ናይ’ዚ ወርሒ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰግር ቀጻሊ ማዕበላት ዕስለታት ኣንበጣ፡ ኣብ ንኡስ ዞባታት ጸሮናን ማይ-ዓይኒን ይርአ ከምዘሎ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ብማካይንን ሞተራይዝድን ብዝተሰነየ ናይ ምንጻግ መድሃኒት ወፍሪ፡ ንምቊጽጻሩ ቀጻልን ውሁድን ስራሕ ይሰላሰል ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ዛጊት፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣንበጣ ዓሲልዎ ኣብ ዝነበረ ብጠቕላላ ልዕሊ 5 ሽሕ ሄክታር፡ ዕዉት ጸረ-ባልዕ ናይ ምንጻግ ንጥፈታት ከምእተኻየደ፡ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ዞባ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ናይ ምቁጽጻር ስራሕ፡ ህዝቢ ቅልጡፍ ሓበሬታ ኣብ ምምሕልላፍ ኰነ ንምምካቱ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዘርእዮ ዘሎ ዕዙዝ ኣበርክቶ፡ ነቲ ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ክኢላታት ሕርሻን ዝዕመም ዘሎ ናይ ምንጻግ ስራሓት፡ ተወሳኺ ሓይሊ ኰይንዎ ከምዘሎ በሪሁ።

ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ኣብ መወዳእታ፡ ወራር ኣንበጣ ንምቁጽጻር ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ኣድማዒ ስራሕ ንዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ኣካላትን ህዝብን ድሕሪ ምምጓስ፡ ሓረስቶት ካብ ግራውቶም ከይተፈልዩ ምክትታሎም ከሐይሉን ዝኣኸለ ዘራእቶም ተቐላጢፎም ክእክቡን ኣተሓሳሲቡ።

Categories