ሓረስቶት 15 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ካብ ጸያቕ ማዕጺድን ካብ ጐረቤት ሃገር ዝሰገረ ዕስለታት ኣንበጣን ንምድሓን፡ ምህርቶም ኣብ ቆፎኡ ንምእታውን መግቢ ጥሪት ንምእካብን ወፈራታት የካይዱ ኣለዉ።

ሎሚ ዓመት ኣብ’ተን ምምሕዳራት ከባቢ ካብ ዝተዘርአ ልዕሊ 6,242 ሄክታር፡ እቲ 4,913 ኣእካል፡ 1,119 ጥረታት፡ 209 ሄክታር ድማ እንጣጢዕ ምዃኑ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ክኢላ ልምዓት ብቚሊ ኣቶ ኣብርሃም በየነ ገሊጹ።

ኩነታት ዘራእቲ ምስ ዝነበረ ክራማት ካብ – ናብ ዝፈላለ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣብርሃም፡ ሓረስቶት ምምሕዳራት ከባቢ መንደፈራ፡ ኣውህነ፡ ዓዲ-ኻንታ፡ ተዀንዳዕን ማእለውያን ዝሓሸ እቶት ክረኽቡ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣብሪሁ።

Categories