ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ድሕነት ንመግቢ ዘገልግል ምህርቲ ሕርሻን ካልእ ጽላታትን ንምርግጋጽ ዝካየድ ጻዕሪ ንምዕዋት ዝግበር ቁጽጽራዊ ስርሓትን ምክትታልን ንምሕያል፡ ተራ ኣፍረይቲ፡ ኣከፋፈልቲ፡ ኣካላት መንግስትን ሕብረተሰብን ክዓዝዝ፡ ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣልማዕቲ ጀራዲን፡ ኣርባሕቲ ከብትን ሓለፍቲ ዝምልከተን ኣካላትን ዝተሳተፍዎ ዘተ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ኣሃዱ ቁጽጽር ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ ሓጎስ ገብረማርያም ኣብ ዝቕርቦ ጸብጻብ፡ ኣፍረይቲ ዝኽተልዎ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መድሃኒትን ኣገባብ ምጕዕዓዝ ፍርያትን ንብከላ ዘቃልዕ ስለ ዝኾነ፡ ድሕነቱ ዝተረጋገጸ ፍርያት ናብ ተጠቀምቲ ንምቕራብ፡ ዝካየድ ንጥፈታት ልምዓት ብሰብ ሞያ ዝተማእከለ ክኸውን ኣተሓሳሲቡ።

ንመግቢ ዝውዕል ምህርቲ፡ ካብ ምፍራዩ ክሳብ ናብ ተጠቀምቲ ዝበጽሕ፡ ኣብ ኣተዓቓቕባን ክንክንን ዝርአ ጉድለታት ካብ ቀንዲ ምኽንያት ምብካል መግቢ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ሓጎስ፡ ምርግጋጽ ድሕነት መግቢ ንዝተወሰኑ ኣካላት ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ስለ ዘይኮነ፡ ኩሎም ኣብ ምፍራይ፡ ምክፍፋልን ምቁጽጻርን ዝነጥፉ ኣካላትን መላእ ሕብረተሰብን ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ተላብዩ።

ጥዕናን ቁጠባዊ መነባብሮን ሕብረተሰብ ንምውሓስ፡ ኣብ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ሕርሻዊ ቀመማት፡ ጸረ-ባልዕን ጻህያይን ከምኡ’ውን ውሸባዊ ስርሓት ዘተኰረ ንጥፈታት ከም ዝካየድ ዝገለጸ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ምቊጽጻር ልምዓት ብቚሊ ኣቶ ኣብርሃለይ ሃይለሚካኤል፡ ኣልማዕቲ ጀራዲን ብሰንኪ ዝጥቀሙሉ ዘይሕጋዊ ጸረ-ባልዕ መድሃኒታትን ዝኽተልዎ ግጉይ ኣጠቓቕማን ግን፡ ኣብ ኮሚደረ ተርእዮ ምብካል ከም ዘጋጥም ብምጥቃስ፡ ኣፍልጦ ሓረስቶት ኣብ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ንምዕባይን ኣብ ፍርያቶም ዝኽሰት ብከላ ንምጕዳልን ዝካየድ ጎስጓሳት ሸቶኡ ንኽወቅዕ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን ሕብረተሰብን እጃሞም ከበርክቱ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ኣሃዱ ቁጽጽር ሃብቲ እንስሳ ኣቶ ሰዓረ ኣብርሃም ብግደኡ፡ ከም ኣብ ፍርያት ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ኣብ ውጽኢት ስጋን ጸባን’ውን ውሕስነቱ ዘይተረጋገጸ ኣገባብ ክንክንን ኣቕርቦትን ብከላ ከም ዘስዕብ ብምሕባር፡ ንምግትኡ – ኣርባሕቲ ናይ ስጋን ጸባን ከብቲ፡ ብክኢላታት ንዝወሃቦም መምርሒታት ብግቡእ ተኸቲሎም ንጥፈታቶም ከሰላስሉን ጥዕና ጥሪቶም ክሕልዉን፣ ተጠቀምቲ ድማ ጸባን ስጋን ብግቡእ ከፍልሑን ከብስሉን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ብዛዕባ ዝንጸግ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ግቡእ ሓበሬታ ናብ ኩሎም ሓረስቶት ክበጽሕ፣ ጥዕናኡ ዘይተረጋገጸ መድሃኒት እንስሳን ጸረ-ባልዕን ንምግታእ ዕቱብ ስጒምቲ ክውሰድ፣ እቶትን እቶታውነትን ንምኽዕባት ድማ ምስ ክኢላታት ሕርሻ ቀጻሊ ርክባት ክካየድ ዝብሉን ካልኦትን ርእቶታት ኣቕሪቦም።

Categories