ኣብ ሃበሮ ጸሊም፡ ተሳትፎ ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቲ ብኽልቲኡ ጾታ እናበረኸ ይመጽእ ከም ዘሎ፡ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ናብ ካልኣይ ደረጃ ዝሓልፉ ተመሃሮ ናብ ኣሕደርቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ጻብራን ደቀምሓረን ከም ዝቕጽሉ ዝጠቐሰ ኣቶ ዑስማን ዓሊ፡ ኣብ ከባቢኦም ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ምስ እትስራሕ፡ ተሳታፍነት ደቀንስትዮ ዝያዳ ከም ዝዓቢ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝገብርዎ ዘለዉ ወፈራታት፡ ኣብ ምኽዕባት እቶታውነት ሕርሻ ዝምስገን ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ዝሓበረ ኣቶ ዑስማን፡ ኣብ ምጽጋን መስመራት መጐዓዝያ ዝውደብ ቀጻሊ ማእቶታዊ ንጥፈታት’ውን፡ ኣብ ምቅላል ሽግራቶም ግደ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ዘሎ ራሕቂ ትካል ጥዕና፡ ምስ’ቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ቊጽሪ ነበርቲ ተደሚሩ ጸገማት ይፈጥር ስለ ዘሎ፡ ኣብ ማእከል ምምሕዳሮም ትካል ጥዕና ክትዋደደሎም ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ንኡስ ዞባ ሃበሮ እትርከብ ምምሕዳር ከባቢ ሃበሮ ጸሊም፡ ካብ ከተማ ከረን ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣስታት 90 ኪሎ-ሜትር ርሒቓ ትርከብ።

Categories