ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ እምባኳዃት -ን/ዞ/ዓዲ-ቐይሕ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ክራማት ተበላሽዩ ንተሽከርከርቲ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዝጸንሐ መስመር መጐዓዝያ ብወፈራ ጸጊኖም።

ኣወሃሃድቲ ናይ’ቲ መደብ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ካብ ከተማ ዓዲቐይሕ ብሕረት ኣቢሉ ናብ እምባኳዃት ዝኣቱ መስመር፡ ብዝነበረ ህጡር ክራማት ጉድኣት ስለዝወረዶ፡ ነበርቲ ዓድታት ወንከብ፡ ምርጋጽን እምባኳዃትን ተወሃሂዶም ብዝወሰድዎ ተበግሶ ከምእተጸገነ ሓቢሮም።

ምምሕዳር ከባቢ እምባኳዃት፡ ካብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ንሸነኽ ምዕራብ 22 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories