ካብ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ማዕበላት ንዝሳግም ዘሎ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጽፈ ዘሎ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ንምምካት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ሃገርና ናይ ምቁጽጻር ንጥፈታት ይቕጽል ከምዘሎ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ገሊጹ።

በዚ መሰረት፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ናብ ዞባ ደቡብ ዝኣቱ ዘሎ ዕስለታት ኣንበጣ ንምጥፋእ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕ፡ እምኒ-ሓይሊ፡ ጸሮና፡ ዓዲዃላ፡ መንደፈራን ካልኦትን ብልዑል ተወፋይነት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ምምሕዳራት፡ ነበርትን ክኢላታት ሕርሻን ዕቱብ ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ካብ’ቲ ዞባ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ፡ ክሳብ 25 ጥቅምቲ፡ ኣንበጣ ዓሲሉዎ ኣብ ዝነበረ 800 ሄክታር ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ክንጸግ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝሰዓበ መዓልታት ንዝቐጸለ ወራር ኣንበጣ ንምምካት፡ ሓያል ምርብራብ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሰላዕ-ዳዕሮ ኣብ 200 ሄክታር መሬት ዝዓሰለ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ብልዑል ውህደት ዝምልከተን ኣካላትን ህዝብን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለ፡ ኣብ ምውህሃድ ናይቲ ወፍሪ ካብ ዝተሳተፉ፡ ኣካያዲት ስራሕ ምምሕዳር ከባቢ ሰላዕ ዳዕሮ ወ/ሮ ኣልማዝ ዳንኤል፡ ኣነባባሪ ዓዲ ኣቶ ገብረሂወት ጸጋይን ሓላፊ ልምዓት ብቚሊ ኣብ ንኡስ ዞባ በሪኽ መንእሰይ መሓሪ የዕብዮን ገሊጾም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ቅሮራ፡ ኣፍዓበትን ሽዕብን ካብ 23 ክሳብ 25 ጥቅምቲ፡ ብጠቕላላ ኣብ ኣስታት 1,400 ሄክታር ዝተጸፍየ ኩብኩብታ ዕዉት ናይ ምቁጽጻር ስራሕ ከም እተሰላሰለ፡ ካብ’ቲ ዞባ ዝተረኽበ ዕለታዊ ጸብጻባት የረድእ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ውሱን ከባቢታት ዞባ ዓንሰባ – ከባቢ ኣስማጥ፣ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ድማ ኣብ ገለ ክፋል ንኡሳን ዞባታት ከርከበትን ሰልዓን ዝተራእየ ኩብኩብታ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ናይ ቁጽጽር መስርሕ ይካየደሉ ኣሎ።

እቲ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጽእ ዘሎ ወራራት ኣንበጣ ገና ስለዘየቋረጸ፡ ሓረስቶት፡ ዝኣኸለ ዘራእቶም ብኣጋ ክዓጽዱ፣ ንዝዀነ ተርእዮ ወራር ኣንበጣ ድማ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከባ ዝምልከተን ኣካላት መንግስቲ ከም ወትሩ ቅልጡፍ ሓበሬታ ክህቡ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ደጊሙ ይጽውዕ።

Categories