ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ፡ ዓጢቕዎ ብዘሎ ዘመናዊ መሳርሒታት ሕክምናን ሞያዊ ዓቕሚ-ሰብን፡ ዝህቦ ኣገልግሎት ንምምዕባል ጻዕርታት የካይድ ኣሎ።

ዳይረክተር’ቲ መወከሲ ሆስፒታል ዶ/ር ታሚት እስቲፋኖስ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሆስፒታል ዝለዓለ ሕክምና ዝጠልቡ ሕማማት ዝፍውሰሉ ኣገባባት በብመድረኹ ይተኣታቶ ከምዘሎ፡ ብኡ መጠን ድማ ህዝቢ ብቐረባን ብዘይሃልክን ዝተማልአ ኣገልግሎት ናብ ዝረኽበሉ ደረጃ ይሰጋገር ምህላዉ ኣብሪሁ።

ብፍላይ ኣብ’ዚ እዋን፡ ዝተፈላለየ ዘመናዊ መሳርሒታት ተኣታትዩ ከምዘሎ ዝሓበረ ዶ/ር ታሚት፡ ኣብ ክፍልታት መብጣሕቲ፡ ላቦራቶሪ፡ ሕክምና ዓይኒ፡ ሕክምና ስኒ፡ ክፍሊ ራጂ፡ ክፍሊ ፊዝዮቴራፕን ካልኦት ክፍልታትን ዘመናዊ መሳርሒታት ብምውዳዱ፡ ንፍሉይ ኣገልግሎታት መርመራን መብጣሕትን ናብ ኣስመራ ዝግበር ዝነበረ መገሻታት ከምዘብቅዐ ኣረዲኡ።

እቲ ሆስፒታል፡ ብዘይካ’ቲ ናይ መሳርሒታት ዓቕሙ ንምዕባይ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ብቕዓሚ-ሰብ ንኽሕይል’ውን ይስራሕ ከምዘሎ ዝሓበረ ዶ/ር ታሚት፡ ክልቲኡ ተደሚሩ፡ ነቲ ኣብ ሃገራውያን መወከሲ ሆስፒታላት ከጋጥም ዝጸንሐ ጸቕጢ ከምዘቃልሎ ገሊጹ።

ዳይረክተር መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ ዶ/ር ታሚት እስቲፋኖስ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ብቕዓት መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ ንምድንፋዕ ዝትግበሩ መደባት ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኣብ ክፍሊ ወጌሳ ዝካየድ ኣሰራርሓ ምምዕባልን ንጥፈታት ሕክምና ስኒ ምስፋሕን ናይ ቀረባ መደብ ምዃኑ ብምንጻር፡ ቀረብ ደም ንምርግጋጽን ድሕነት ኣደን ዕሸልን ንምውሓስን፡ ተሳታፍነትን ኣበርክቶን ኮምን ናይ ስራሕ መሻርኽትን ክዓዝዝ ጸዊዑ።

Categories