ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ትማሊ 22 ጥቅምቲ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 5 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዞም ዜጋታት፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል ግርማይካ፡ 1 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኦምሓጀር ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

ብምሉኦም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተመልሱ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 457 በጺሑ’ሎ። 391 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ዝተፋነዉ ክኾኑ ከለዉ፡ 66 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

22 ጥቅምቲ 2020

Categories