ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ ብምኽንያት ቅጥዕታት ምክልኻል ‘ኮቪድ 19’ ነቲ ዓመት መጸ ዝካየድ ወግዓዊ ጽምብል ብምውንዛፍ፡ ትማሊ 22 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ስነ-ስርዓት፡ 219 ብዲግሪ 61 ድማ ብዲፕሎማ፡ ብጠቕላላ 280 ተመሃሮ ኣመሪቑ።

ምሩቓት፡ ብዓውድታት ስነ-ሂወት፡ ስነቐመም፡ ስነ-ፍልጠት ኮምፕዩተር፡ ትግባረ ኮምፕዩተር፡ ስነ-ምድሪ፡ ስነ-ፍልጠት ቤተመጻሕፍትን ሓበሬታን፡ ስነ-ፍልጠት መዛግብትን ስነዳን፡ ስነ-ፍልጠት ባሕሪን ሃብቲ ዓሳን፡ ምሕደራ ሃብቲ ዓሳ፡ ስነሕሳብ፡ ፊዚክስን ስታስቲክስን ትምህርቶም ዝዛዘሙ’ዮም።

ዲን ናይ’ቲ ኮሌጅ ፕሮፌሰር ገብራይ ኣስገዶም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ሓደ ካብ ዕላማታት ጽላት ትምህርቲ ኤርትራ፡ ርእሰ-ምርኰሳ ዝሰረቱ ፍልጠትን ክእለትን ዝዓጠቐ ዜጋ ምፍራይ ከምዝኾነ፣ ነዚ ንምትግባር ድማ ኣብ ኮሌጃት ሃገርና ገዚፍ ወፍሪ ይግበር ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ምሩቓት – ጠለባት ሕብረተሰቦም ኣብ ምምላእ እጃሞም ከበርክቱ ኣዘኻኺሩ።

ፕሮፌሰር ገብራይ ኣስገዶም ብተወሳኺ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይነፍሒ ምስ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ትካላትን ሽርክነት ብምምስራት ኣብ ርእሲ ዘካይዶም ሰፋሕቲ ናይ ምርምር ስርሓት፡ ስርዓተ ትምህርቲ ምስ መደባት ምዕባለን ልምዓትን ንኽሳነ ብዙሕ ጻዕርታት ከምዘካይድ ብዝርዝር ሓቢሩ።

ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ንምዕባይን ንምስፋሕን ብዝሓንጸጾ መደብ መሰረት፡ ኣብ 2004 ኣብ ትሕቲ ጽላል ኢንስትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ስርሑ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ካብ 2008 ኣትሒዙ 3,335 ተመሃሮ ኣመሪቑ ኣሎ።

Categories