ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ተደኲኑ ዝርከብ ኮሌጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን፡ 244 ብዲግሪ፡ 376 ድማ ብዲፕሎማ ብጠቕላላ 620 ተመሃሮ ብ17 ጥቅምቲ ኣመሪቑ።

ኣብ’ዚ ምስ ኩነታት ‘ኮቪድ-19’ እቲ ልሙድ ቅጥዕታት ጽምብል ዝተወንዘፈሉ ስነ-ስርዓት መመረቕታ መበል 13 ዙርያ፡ ዲን ናይቲ ኮሌጅ ዶ/ር እስቲፋኖስ ሃይለማርያም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምምራቕ – ኣብ ጉዕዞ ህይወት ተመሃራይ፡ ፍረ-ጻማ ናይ ከቢድ ጻዕሪ ሓፊስካ፡ ናይ መጻኢ መደብካ እትሕንጽጸሉ ምዕራፍ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ኮሌጅ ብድምቀት ክካየድ’ኳ እንተጸንሐ፡ ሎሚ ዓመት ግን ምስ ውሁብ ኩነታት ስግኣት ሕማም ኮሮና፡ ተመሃሮ ኣብ ዘዘለውዎ ክምረቑ ከምእተወሰነ ኣብሪሁ።

“ምምራቕ፡ በቲ ሓደ ወገን መወዳእታ ናይ ሓደ ምዕራፍ ሂወት ተመሃራይ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ መጀመርታ ናይ ስራሕ ሂወት’ዩ” ዝበለ ዶክተር እስቲፋኖስ፡ ተመረቕቲ ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ኣብ ዝዋፈሩሉ፡ ንዝጸንሖም ወግዓውን ዘይወግዓውን ፍልጠት ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቒሞም፡ ህንጡያትን ሰብ ክፉት ኣእምሮን ብምዃን፡ ዝቐሰምዎ ፍልጠትን ክብርታትን ዓቂቦም፡ ብብቕዓትን ተወፋይነትን ራእይ ሰማእታት ከስምሩ ተላብዩ።

ኮሌጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን፡ ሎሚ ዓመት፡ ብዓውድታት ኣተሓሕዛ ሕሳብ፡ ምሕደራ ዋኒን፡ ስነ-ቁጠባ፡ ፋይናንስ፡ ምሕደራ ህዝቢ፡ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ቋንቋታት ኤርትራን ስነ-ጽሑፍን፡ ጅኦግራፊ፡ ታሪኽ፡ ጋዜጠኝነትን መራኸቢ ብዙሃንን፡ ሕጊ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን፡ ስነ-ሰብን ስነ-ጥንትን፡ ከምኡ’ውን ስነ-ማሕበረ-ሰብን ማሕበራዊ ዕዮን 244 ተመሃሮ ብዲግሪ ከመርቕ እንከሎ፡ ብኣተሓሕዛ ሕሳብ፡ ባንኪን፡ ምሕደራ ቱሪዝምን ሆቴላትን፡ ስነ-ማሕበረሰብን ማሕበራዊ ዕዮን፡ ምሕደራ ህዝቢን ስነ-ጥበብን ድማ 376 ተመሃሮ ብዲፕሎማ ኣመሪቑ።

እቲ ኮሌጅ ብተወሳኺ፡ ምስ ኣገልግሎት ማእሰርትን ተሃድሶን ኤርትራ ብምትሕብባር፡ ንናይ ሕጊ ተሃደስቲ፡ ብኣተሓሕዛ ሕሳብ ናይ ዲፕሎማ፣ ብምሕደራ ዋኒን ከኣ ናይ ዲግሪ ትምህርቲ ብምሃብ፡ 6 ተሃደስቲ የመርቕ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኮሌጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ኣብ መበል 13 ዙርያ ብ17 ዓውድታት ካብ ዘመረቖም 620 ተመሃሮ፡ እተን 47 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ’የን።

 

Categories