ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናን ምድንፋዕ ዞባዊ ምትሕብባርን ዘተኰረ’ዩ።

ኣብ’ቲ ትማሊ 20 ጥቅምቲ ኣብ ካርቱም ዝተገብረ ርክብ፡ ኣቦመንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ንጽኑዕን ዘይልወጥን ምሕዝነትን ደገፍን ኤርትራ ንሱዳን ብምምጓስ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝተጀመረ ጸጥታዊ ምትሕብባር፡ ዝያዳ ክምዕብል ከምዝግባእ ገሊጹ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣስዒቡ፡ ኤርትራን ሱዳንን፡ ኣብ ኣገዳስነት ምትሕብባር ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክውሰዱ ዝግብኦም ስጒምትታትን፡ ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለወን ኣብሪሁ።

ልኡኽ ኤርትራ ብወገኑ፡ ሱዳን ካብ መዝገብ “መወልቲ ሽበራ ሃገራት” ብምውጻኣ፡ ንህዝብን መንግስትን ሱዳን ዮሃናኡ ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ከምኡ’ውን ምኽትል ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ነንበይኖም ርክባት ኣካዪዱ።

ክልተኦም ሰብ-ስልጣን ሱዳን፡ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ዞባዊ ጉዳያትን ኣብ ዘለወን ምትሕግጋዝ ምሉእ ምትእምማን ከምዘለዎም ገሊጾም።

Categories