ኣብ ንኡስ ዞባ መንሱራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት ከባቢ ናይ ትምህርቲ ትካላትን መሳለጥያታትን ተዋዲዱ ከብቅዕ፡ ቁጽሪ ናይቶም ነቲ ዕድል ብግቡእ ተጠቒሞም ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ተመሃሮ ግን ምስኡ ዝመጣጠን ስለዘይኮነ፡ ንምምሕያሹን ተጠቃምነት ሕብረተሰብ ንምዕባይን ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ክካየድ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር መሓመድ እድሪስ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምዘሎ፡ ቊጽሪ ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ትሑት ስለዝኾነ ግን፡ ኣካላት መንግስትን ሕብረተሰብን ብቐጻሊ ክሰርሑሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ መንሱራ ኣቶ የማነ ተስፋሚካኤል፡ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ዘለዋኦ ትካላት ትምህርቲ ንምምዕባልን ሕጽረታተን ንምቅላልን ተበግሶታት ክወስድ ከምዝጸንሐ፡ እንተኾነ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እቲ ዝድለ ውጽኢት ስለዘይተረኽቦ፡ ውህደት ዝተፈላለያ ኣካላት ክሕይል ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘለዉ ሕጽረታትን ዘይተማልኡ ህንጻዊ ስርሓትን ንተሳታፍነትን ኣድማዕነት መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብኣሉታ ይጸልዉ ስለዘለዉ፡ ፍታሕ ክናደየሎም ኣዘኻኺሮም።

Categories