1. ብዕለት 23 መጋቢት ሰዓት 5፡00 ድሕሪ-ቐትሪ፡ ብመንገዲ “ኣየር ዓረቢ” ካብ ዱባይ ናብ ኤርትራ ዝኣተዋ ሰለስተ ገያሾ፡ ትማሊ ኣብ ሆስፒታል ቪላጆ ብዝተገብረለን መርመራ ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ከምእተታሕዛ ተረጋጊጹ።

ሰለስቲአን ገያሾ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነብራ ዜጋታት እየን።

በዚ ድማ፡ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ብድምር ኣርባዕተ ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ። ምስኦም ዝተጐዓዙ ተሳፈርቲ ይኹኑ ርክባት ዘካየዱ ብምሉኦም፡ ተወሺቦም ኣለዉ። ኩሎም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ድማ፡ ኣብ ሆስፒታል ቪላጆ ዘድሊ ክንክን እናተገብረሎም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከቡ።

2. ምስ’ዚ ዝተኣሳሰረ፡ ኩለን ካብን ናብን ኤርትራ ዝነጥፋ ናይ መጐዓዝያ መንገድታት ኣየር፡ ካብ ትማሊ ረቡዕ 25 መጋቢት ፍርቂ-ለይቲ፡ ኩሉ በረራታተን ተቛሪጹ ኣሎ። እዚ እገዳ’ዚ፡ ክሳብ ካልእ ሓበሬታ ዝወሃብ፡ ንክልተ ሰሙን ክጸንዕ እዩ።

3. ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ መጻኢ’ውን ንምዕባለታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናተኸታተለ፡ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ የፍልጥ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!

ዓወት ንሓፋሽ!

ሚኒስትሪ ጥዕና

25 መጋቢት 2020

Categories