ኣብ ኖርወይ ዝምቕማጡ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ኤርትራዊ፡ ብ21 መጋቢት ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ፡ ብማዕከናት ዜና ሃገርና ተሓቢሩ ነይሩ’ዩ። እቲ ሕሙም ዘድሊ ክንክንን ምክትታልን ይግበረሉ’ሎ። ምስኡ ኣብ ሓንቲ ነፋሪት ዝመጹ’ውን ከምዝውሸቡ ተገይሩ’ሎ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኩሎም ዜጋታትን ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ወጻእተኛታትን ዝለዓለ ጥንቃቐ ክገብሩ፡ ድሕነቶምን ድሕነት ሃገርን ንዝዕላምኡ መምርሒታት መንግስቲ ድማ ብጥብቂ ክትግብሩ እናዘኻኸረ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተመሓላለፈ መምርሒታት፡ እዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሕን የመሓላልፍ።

1. ኩሉ ሰብ ግድንን ህጹጽን እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ዝነብረሉ ከተማን ዓድን ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝገብሮ መገሻታት ከቋርጽ ይግባእ። ኩሉ ሰብ ግድን እንተዘይኰይኑ፡ ኣውቶቡስ፡ ሚኒ-ባስን ታክስን ምጥቃም ከቋርጽ ይግባእ።

2. ልዕሊ 10 ሰባት ዝሳተፍዎ ኩሉ ኣኼባታትን ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታትን ተሰሪዙ’ሎ። ኣብያተ-ሲነማን ኣብያተ-ትልሂትን እውን ክሳብ ካልእ መምርሒ ዝወሃብ፡ ዕጹው ኰይኑ ክጸንሕ’ዩ። ኣብ ካልኦት ኣብያተ-ንግዲ ድማ ሰብ ክፈናተት ይግባእ።

3. ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት (መርዓ፡ ሓዘን፡ ቀብሪ፡ ጥምቀት፡ ስማያ፡ ንግደት. . .ወዘተ)፡ ልዕሊ 10 ሰባት ዝርከቡሉ ምትእኽኻባት ክልኩል’ዩ።

4. ምእመናን፡ ብመራሕቲ ሃይማኖታት’ውን ይሕበር ከምዘሎ፡ ኣብ ቤቶም ኰይኖም ክሰግዱን ክጽልዩን ይግባእ።

5. ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ንድሕነቶም፡ ድሕነት ቤተሰቦምን ኤርትራዊ ማሕበረኮምን፡ ኩሉ ዘድሊ ዘበለ ጥንቃቐ ክገብሩን ናብ ሃገር ካብ ምምጻእ ክቚጠቡን ይግባእ።

6. ምእንቲ ጥዕናን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ንዝውሰድ ዘሎ ጥንቃቐ መመኽነይታ ገይሮም፡ ዋጋታት ዘንህሩን ዕዳጋ ዘዋቕዑን ሰባትን ትካላትን ተሪር ሕጋዊ ስጒምቲ ክውሰደሎም’ዩ።

7. ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ መጻኢ’ውን ንምዕባለታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብቐረባ እናተኸታተለ፡ ኣድላዪ ዘበለ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ የፍልጥ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!

ሚኒስትሪ ጥዕና

23 መጋቢት 2020

Categories