ጨንፈር መጐዓዝያ ምድሪ ዞባ ደቡብ ምስ ፖሊስ ትራፊክ ናይ’ቲ ዞባ ብምትሕብባር፡ ኣብ ሕጊ መጐዓዝያን ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ትግባረኡን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ድሕነት ትራፊክን ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐታትን ዘተኰረ ሰሚናር፡ ንመራሕቲ ዓበይቲ መካይንን ወነንቲ ጋራጃትን ኣካዪዱ።

ብ19 መጋቢት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተዋህበ ሰሚናር፡ ሓላፊ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ደቡብ ሜጀር መሓሪ ኪዳነ፡ ዘይጥጡሕ መንገዲ፣ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ጽርግያ፣ ሸለልትነትን ዘይውሑስ ኣመራርሓን፣ ከምኡ’ውን ዘይንቡር ኩነታት ኣየር ካብ’ቶም ቀንዲ ጠንቂታት ሓደጋታት ምዃኖም ብምግላጽ፡ መራሕቲ መካይን ንድሕነቶምን ድሕነት ተጐዓዝትን ክብሉ ኣብ ምንቅስቓሳቶም ሓላፍነታውያን ክዀኑ ተላብዩ።

ብዞባ ደረጃ፡ ኣብ 2019 ሕጊ ትራፊክ ብምጥሓስ ካብ ዝተኸሳ 10,447 ተሽከርከርቲ፡ እተን 8998 መካይን፡ 1384 ብሽክለታታት፡ 16 ሞተር-ሳይክል፡ 51 ድማ ዓረብያ ምንባረን ዝሓበረ ሜጀር መሓሪ፡ ዝኾነ ጥሕሰት ወይ ሓደጋ ምስ ዝፍጸም፡ ታርጋ ምሓዝ ወይ ሕብርን ዓይነትን መኪና ምስትብሃል፡ ንዝተጎድአ ሰብ ተቐላጢፍካ ህጹጽ ረድኤት ናብ ዝረኽበሉ ምውሳድን ካልእን፡ ካብ’ቶም ብቐዳምነት ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምታት ምዃኖም ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ሜጀር መሓሪ ኣስዒቡ፡ ዝዀነት ጭፍላቕ ዘለዋ መኪና ብዘይ ናይ ፖሊስ ትራፊክ ፍቓድ ምጽጋን፡ ብገበን ከምዘሕትት ኣነጺሩ።

ሸለልትነት እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሓደጋታት ምዃኑ ዝሓበረ ሓላፊ መርመራ ሓደጋ ትራፊክ ዞባ ደቡብ ኣቶ ጳውሎስ ኪዳነ ብወገኑ፡ ኣብ ግዜ መመረቕታታት፡ መርዓታት፡ ቀብሪን ሃይማኖታዊ በዓላትን ዝርአ ሓደጋታት ንምግታእ፡ መራሕቲ መካይንን ኣጋርን ጥንቃቐ ክገብሩን ብንቕሓት ክንቀሳቐሱን ኣዘኻኺሩ።

“ሕጊ ዘይምፍላጥ ካብ ተሓታትነት ኣየድሕንን” ዝበለ ሓላፊ ጨንፈር መጐዓዝያ ምድሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ መሓሪ ሃብተ ድማ፡ ዓመታዊ መርመራ መኪና ማለት ቦሎ ከይገበርካ ምንቅስቓስ፡ ብዘይደረጃኻን መምርሒ ፍቓድ ዘይብልካን ምሽክርካር፡ ከምኡ’ውን ዝያዳ ሰብን ንብረትን ምጽዓን ሳዕቤኑ ከቢድ ስለዝዀነ፡ ነፍሲ-ወከፍ መራሒ መኪና ድሕነቱን ድሕነት ካልኦትን ሓልዩ ክጐዓዝ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ፖሊስ ትራፊክ ኣብ ናይ ቅጥራን መስመራት ዝገብሮ ምቁጽጽር ንናይ ሓመድ መንገዲታት’ውን ዝሽፍን ክኸውን፡ ኣብ ከባቢ መዕረፊ ኣውቶቡሳት ብዓረብያ ዝካየድ ሸቐጥ ንሓደጋ ዘቃልዕ ስለዝዀነ ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ሰብ ብሽክለታን ተመሃሮን ድማ ኣብ ኣጠቓቕማ ጽርግያ ስርዓት ክኽተሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories