ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብ22 መጋቢት – ንጥፈታት ኮማዊ ፖሊስ ንምድንፋዕ ዝዕላማኡ ዘተ ኣብ ኣስመራ ተኻዪዱ።

ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእከል ኮሎኔል በየነ ኢሳቕ፡ ንንጥፈታትን ዕላማታትን ፖሊስን ፖሊስ ትራፊክን ከምኡ’ውን ኣበርክቶ ኮማዊ ፖሊስ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ማእከል ናይ ዝተመዝገቡ ገበናትን በደላትን – ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ብምንጽጻር ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ኮማዊ ፖሊስ፡ ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ጸጥታን ሰላምን ኣብ ምውሓስ ዘሰላስሎ ዘሎ ንጥፈታት ዝነኣድ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኮሎኔል በየነ፡ በብእዋኑ ዝቀላቐሉ ገበናትን በደላትን ኣብ ምክልኻልን ምቅላዕን፡ ኣበርክቶኡ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ንዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኮማዊ ፖሊስን መደበራት ፖሊስን ዘሎ ናይ ስራሕ ዝምድናታት ክሰፍሕን ክድልድልን ተላብዮም።

ኣብ’ቲ ዘተ፡ ኣዘዝቲ መደበራት ፖሊስ ዞባ ማእከል ተረኺቦም ነይሮም።

Categories