ነበርቲ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፋ ኣካላትን፡ መደባት ልምዓት ንምድንፋዕ ንቑሕ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ፡ ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ኣስመረት ኣብርሃ ኣዘኻኺራ።

ብ18 መጋቢት ንወከልቲ ህዝቢ፡ ኣባላት ባይቶን ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ጨናፍርን ኣብ ዘካየደቶ ሰሚናር፡ ወይዘሮ ኣስመረት፡ ኣብ 2020 ብደረጃ ሃገርን ዞባን ተታሒዞም ዘለዉ መደባት ልምዓት ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ምስ ትስፉው ሃዋህው ተዛማዲ ሰላም፡ ትግባረኦም ኣድማዕነት ንኽህልዎ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ብንጥፈት ክዋሳእ ከምዝግባእ ገሊጻ።

“ኣብ ጽንኩር እዋን ተኣምር ዝሰርሑ ህዝብን መንግስትን፡ ኣብ’ዚ ሓድሽን ትስፉውን መድረኽ ዓጸፋ ከምዝስጒሙ ዘጠራጥር የለን” ዝበለት ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብቐንዱ ኣብ መንእሰያትን ምዕባለኦምን ዘተኰረ መደባት ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ከምዝዀነ ኣረጋጊጻ።

ወይዘሮ ኣስመረት ኣስዒባ፡ ምምዕባል ጸጋ ሰብ ብብዝሕን ዓይነትን ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ ብምዃኑ፡ ምድንፋዕ ስልጠናታት ንመንእሰያት፡ ምሕያልን ምውርጻጽን ምሕደራ፡ ምስፋሕ ማእቶታዊ ንጥፈታት፡ ምዕቃብ ባህሪያዊ ጸጋታት፡ ምውዳድ መተካእታ ጸዓትን ምምላእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ካብ’ቶም ብደረጃ ዞባ ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ዘሎ ምዃኖም ኣብሪሃ።

ተሳተፍቲ ድማ፡ ዝካየድ ጎስጓሳት ክሕይል፡ ሃብቲ ገረብ ንምዕቃብን ንምስሳንን ምእንቲ ክከኣል ድማ፡ ምውዳድ መተካእታ ጸዓት ዕንጨይቲ ክቀላጠፍ ተላብዮም።

Categories