ጽፉፍ ስርዓተ-ሓበሬታ፡ ኣብ ኣድማዕነት ትግባረ መደባት ልምዓትን ቅኑዕነት ውሳነታትን ኣበርክቶኡ ልዑል ብምዃኑ፡ ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ማእከል – ኣብ ምእካብን ምጽፋፍን ንጹር ሓበሬታ ብዕቱብ ክሰርሓ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ስታትስቲክስን ጂኦግራፍያዊ ሓበሬታን ኣቶ ቴድሮስ ተኽለ፡ ብ18 መጋቢት ምስ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ሓለፍቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፡ ወከልቲ ክፍሊ ኢሚግረሽንን ዜግነትን፡ ኩባንያ ሕድሪ፡ ቈንስላዊ ጉዳያት፡ ክኢላታት ስርዓተሓበሬታን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ዝውጠኑ መደባት ልምዓት ብዘይ እኹል ሓበሬታን ሰነዳትን ኣድማዕነት ክህልዎም ከምዘይክእል ኣረዲኡ።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ህልው ብዝሒ ህዝቢን ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፡ መጽናዕቲ መሬት፡ ምምሕዳራዊ ካርታ፡ ብዝሒ ጥሪትን ካልእን፡ ካብ 2003 ጀሚሩ ብዘመናዊ ኣተሓሕዛ ክስራሓሉ ከምዝጸንሐ፡ እዚ ሓበሬታ’ዚ ግን ቀጻሊ ምሕዳስን ምውርጻጽን ከምዘድልዮ ሓቢሩ።

ካርድ ነባርነትን ክብሪ መዝገብን መሰረታውያን ኣገልግሎታት ምዃኖም ጠቒሱ፡ ገለ ዜጋታት ኣገልግሎት ኣብ ዝሓቱሉ – ሰኣን ኣፍልጦ እቲ ዘድሊ ሰነዳት ከየማልኡ ስለዝመጽኡ፡ ዕንቅፋት የጋጥሞም ከምዘሎ ብምሕባር ከኣ፡ ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት እኹልን ግቡእን መረዳእታ ክህባን ክጒስጒሳን ኣዘኻኺሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን፡ ህዝቢ ኣገዳስነትን ትርጉምን ሓበሬታ ተገንዚቡ፡ ምስ ምምሕዳራት ክተሓባበርን ቅኑዕ ሓበሬታ ክህብን፡ ከምኡ’ውን ወረቐት ክብሪ መዝገብ ከማልእ ኣተሓሳሲቡ።

Categories