ኣብ ትካላት ጥዕና ናይ ዝገላገላ ኣዴታት ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ – ብ90 ሚእታዊት ከምዝዓበየ፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ዝነበረ ሞት ድማ ናብ ዜሮ ከምዝወረደ፡ ሓላፊ መደበር ጥዕና ሕርጊጎ ሓቢሩ።

ተሓጋጋዚ ነርስ ኣረፋይነ ኢብቃቕ፡ ድሕነት ኣደታትን ዕሸላትን ንምውሓስ፡ መደባት ክታበት፡ ምዕዳል ቫታሚን “A”ን ወፍሪ ከባቢያዊ ጽሬትን ብሰፊሑ ከምዝካየድ ብምሕባር፡ ዘለዎም ናይ ኤለክትሪክን ኣምቡላንስን ጸገም ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዩ።

እታ ትካል ጥዕና፡ ኣብ ምክትታል ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ጥዕና ህጻናትን ኣገልግሎት ክታበትን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዘለዋ ዝሓበሩ ተገልገልቲ ብወገኖም፡ ሕጽረታት ክማልኣላ ኣዘኻኺሮም።

መደበር ጥዕና ሕርጊጎ፡ ንነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ገደምላሓዜን፡ ዓጎምብሳ፡ ሕርጊጎን ገለ ክፋል ንኡስ ዞባ ጊንዳዕን ኣገልግሎት ትህብ።

Categories