ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ናብ ሃገርና ከይኣቱ ንምክልኻል፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣድላዪ ጥንቃቐታት ይገብርን ኣገዳሲ ስጒምቲታት ይወስድን ኣሎ።

ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ሓላፊ ውሸባ መንእሰይ ኤፍሬም ወልደሊባኖስ፡ ጐድኒ ጐድኒ’ቲ ንቕሓት ህዝቢ ንምብራኽ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት፡ ዘመናዊ መመርመሪ ናውቲ ተኣታትዩ – ናብ ኤርትራ ንዝመጹ ኣጋይሽ ግቡእ መርመራታት ይካየደሎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ነቲ ለበዳዊ ቫይረስ ንምግታእ፡ ኩሎም ገያሾ ናብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ፡ ብቐጥታ ሙቐት ሰብነት ብማዕዶ ብእትዕቅን ካሜራ ከምዝሓልፉ እናተገብረ ከምዝዕቀን ዝሓበረ መንእሰይ ኤፍረም፡ ናብ ግንባር ኣቕሪብካ ሙቐት ሰብነት ዝዕቅና መሳርሒታት እውን ከምዘለዋን፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ኣብ ስራሕ ከምዝውዕላን ኣረዲኡ።

መንእሰይ ኤፍሬም፡ ካብ’ተን ብኮሮና ቫይረስ ኣዝየን ዝተለኽፋ ሃገራት ዝተበገሰ ወይ ድማ ብትራንዚት ብኣአን ዝሓለፈ ዝተጠርጠረ ሰብ፡ ብቐጥታ ናብ ክፍሊ ውሸባ ከምዝለኣኽ ብምሕባር፡ ገያሾ – ኣብ ዝኣትዉሉ ኣፍ-ደገ ካብ ኣየነይቲ ሃገር ከምዝመጹ ክሕብሩን ምትሕብባሮም ከዕዝዙን ተላብዩ።

Categories