ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ ተርእዮታት ኣንበጣ ኣብ ወቕቲ ኣዝመራ ንምክልኻል፡ ህዝቢ ብሕልፊ ድማ ሓረስቶት ምክትታሎም ከሐይሉ ጸዊዑ።

ብ13ን 16ን መጋቢት ኣብ’ቲ ዞባ ምስ ዝነጥፉ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቶ ሃብተኣብ፡ ስግኣታት ተርእዮ ኣንበጣ ኣብ ዞባታት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ’ውን ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ስለዘይተቐንጠጠ፡ በብከባቢኡ ጥቡቕ ምክትታልን ቅልጡፍ ምልውዋጥ ሓበሬታን ክካየድ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ዞባ፡ ወርሒ ሚያዝያ ዝናብ ኣዝመራ ዝጅምረሉን ናይ ኣዝመራ ዘራእቲ ዝበቚለሉን ወቕቲ ብምዃኑ፡ ንኣንበጣ ምቹእ ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ እቲ ኣንበጣ ክረኣየሉ ዝኽእል ከባቢታት ተጸኒዑ፡ ናይ ምክልኻል ነቑጣታት ክቐውም ምዃኑ ኣሚቱ።

ወራር ኣንበጣ ንምክልኻል ውዳበን ምጒስጓስ ዓቕሚታትን መሰረታዊ ምዃኑ ብምሕባር እውን፡ ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ዝዳወባ ንኡሳን ዞባታት፡ ዕቱብ ምድላዋትን ጥንቁቕ ምክትታልን ክገብራ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ዕስለታት ኣንበጣ፡ ኣብ ውሱን ከባቢታት ንኡሳን ዞባታት ሰንዓፈ፡ ጸሮና፡ ሰገነይቲ፡ ማይ ዓይኒን ዓዲ-ቐይሕን ተራእዩ ምንባሩ፡ ኣብ ዘራእትን መገሃጫታትን ጉድኣት ከየውረደ ግን፡ ብዝተወሃሃደ ጻዕሪ ኣብ ውሑዳት መዓልትታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለ ይዝከር።

Categories