ኣብ ጎልጅ፡ ኮም ዝመርሖ መደባት ከባቢያዊ ጽሬት ብምትእትታው፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምግታእ ዝዓለመ ወፈራ ጽሬት ተኻዪዱ።

እቲ ምስ ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት ብምትሕብባር ዝተኻየደ ወፈራ፡ ክራማት ቅድሚ ምምጽኡ ማይ ዝዓቊር ጎዳጒዲ ብምድፋንን ፈቐዶኡ ዝተደርበየ ጐሓፍ ብምውጋንን ጥዕና ነበርትን ጥሪትን ንምውሓስ ዝዓለመ እዩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ሓውሲ-ከተማ ጎልጅ ጐሓፍ ዝእከበሉ ፍሉይ ቦታን ቢዶኒታትን ስለዘየለ – ዝተፈላለየ ዓይነት ጐሓፍ ፈቐዶኡ ተበቲኑ ከምዝጸንሕ ብምሕባር፡ ንቐጻሊ ናይ ጐሓፍ ቢዶኒታት ክዳሎን ፍሉይ መጕሓፊ ጉድጓድ ክኰዓትን ኣተሓሳሲቦም።

Categories