ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ 2019 ዝተሰላሰለ መደባት ኮም ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬት ብምግምጋም፡ ኣብ ናይ 2020 መደባት ንምዝታይ፡ ብ12ን 13ን መጋቢት ኣብ ከተማ ባጽዕ ርክባት ተኻዪዱ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ረዘነ ፍስሃ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረፈ መደባት ኣብዚ ዓመት’ዚ ብምልኣት ንምትግባር፡ ውርጹጻት መደባት ብምሕንጻጽ ዕቱብ ተበግሶ ተወሲዱ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ተስፋይ ተስፋጽዮን ድማ፡ ከባቢያዊ ጽሬት ብዕቱብ ተታሒዙ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ትግባረኡ ናይ መሻርኽቲ ኣካላት ምውህሃድ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ኣሃዱ ከባቢያዊ ጽሬት መንእሰይ ሓጎስ ሚልክያስ፡ ቀረብ ናውቲ ንምርግጋጽ፡ ምስ ፋብሪካ ውጽኢት ፕላስቲክ ኤርትራ ዝርርብ ተኻዪዱ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወ/ሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ኣተባባዒ ከምዝኾነ፡ ንምዕቃቡ ድማ ዕቱብ ምክትታል ከምዘድሊ ብምጥቃስ፡ ዝተረፈ ብኣድማዕነት ንምስልሳል፡ ክሳብ ታሕቲ ዝወርዳ ናይ ትግባረን ምቁጽጻርን ኮሚተታት ቈይመን ከምዘለዋ ገሊጻ።

Categories