ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ – ምምሕዳር ከባቢ ኣዛይሐ ዝጸንሐ ጸገም መጐዓዝያ ንምቅላል፡ ካብ ጸሊም ጽርግያ መንጉዳ ናብ ኣዛይሐ ዝወስድ 7 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ይጽገን ኣሎ።

እቲ ብመሃንድሳት ትሕተ-ቅርጺ ዞባ ደቡብ ዝተሳእለ መደብ፡ ብተበግሶ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣዛይሐ ይሰላሰል ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ኣዛይሐ ኣቶ ክብሮም ካሕሳይ፡ ህዝቢ በብግዜኡ እናተወደበ ናይ ምጽጋን ስራሓት ከካይድ ምጽንሑ ብምሕባር፡ እቲ ናይ ሕጂ መደብ ክራማት ቅድሚ ምእታዉ ንምዝዛሙ ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣባላት ኮሚተ ናይ’ቲ ስራሕ ብወገኖም፡ ደገፍ ማሽነሪታት ስለዘድልዮም – ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ተላብዮም።

ንዓድታት ጎርብዓቲ፡ ኣዛይሐ፡ ዓዲሳህላይን ዓዲ-ተመናስን ዝጥርንፍ ምምሕዳር ከባቢ ኣዛይሐ፡ ካብ ኣስመራ 27 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ደቡብ ርሒቑ ይርከብ።

Categories