ጨንፈር ሃማደኤ ንኡስ ዞባ ሎጎዓንሰባ፡ ካብ ኣባላት ዝተዋጽአ ገንዘብ ን28 ስድራ ስዉኣትን ደቂ ስዉኣትን ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

እተን ነዚ ሓገዝ ዘበርከታ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሊባን፡ ደቂሽሓይ፡ ዴዳ፡ ቀረናዂዶን መቐርካን ምዃነን ዝሓበረት ጸሓፊት ማሕበር ወይዘሮ ጸጋ ሃብተ፡ እተን ዝተረፋ ምምሕዳራት ከባቢ’ውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ከምዝወስዳ እምነታ ገሊጻ።

ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወይዘሮ ጽገወይኒ ገብረስላሴ፡ እዚ ዓመት መጸ ብደቂኣንስትዮ ዝውሰድ ንስድራ ስዉኣት ናይ ምሕጋዝ ተበግሶ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ ዜጋታት ንዝተጸገሙ ወገናቶም ዝገብርዎ ናይ ምሕጋዝን ምሕብሓብን ባህሊ ከምዝኾነ ሓቢራ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኣቶ ኣብርሃም ሓጎስ፡ ነቲ ዝተገብረ ሓገዝ ድሕሪ ምምስጋን፡ እቲ ደገፍ ኪንዮ ቁጠባዊ ረብሓ ዝኸይድ ኣገዳሲ ትርጒም ከምዘለዎ ገሊጹ።

Categories