ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ሃማደኤ ዞባ ማእከል፡ ን9ይ ግዜኡ ኣብ ዝወደቦ ናይ ኣስታት 6 ኣዋርሕ ስልጠና ማእለማ ዝተሳተፋ 40 ኣለይቲ ስድራ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብ13 መጋቢት ተመሪቐን።

እተን ካብ 16 ንኡሳን ዞባታት ዝተዋጽኣ ሰልጠንቲ፡ ወርሓዊ ካብ 400 ክሳብ 600 ናቕፋ እናተኸፍላ ብዝቐሰማኦ ሞያ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ረኺበን ምንጪ ቁጠባዊ እቶት ስድራ-ቤተን ከመሓይሻ ዝዓለመ እዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሓላፊት’ቲ ማእከል ወይዘሮ ሓዳስ ሙሴ፡ ሰልጠንቲ ብዘለወን ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት ተለልየን ዝመጽኣ ምዃነን ገሊጻ።

ሰልጠንቲ፡ ኣብ ጉዕዞአን ሓገዝን ምትብባዕን ሃማደኤን ምምሕዳራትን ከይፍለየን ተማሕጺነን።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ልዕሊ’ቲ ሰልጢንካ ምውጻእ – ኣብ ስራሕ ምውፋር ብድሆታት ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ሰልጠንቲ ነዚ ተገንዚበን ሞያአን ብግብራዊ ስራሕ ብምዕባይ ኣብ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ኮይነን ክቐርባ ኣዘኻኺራ።

Categories