ከቢድ ሓደገኛነት ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንጥዕናን ህይወትን ዜጋታትን ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ወጻእተኛታትን፡ ከምኡ’ውን ንድሕነት ሃገር ብምግንዛብ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣርባዕተ-ነጥቢታት ዝሓዘ፡ ኣውራ ኣብ መገሻታት ካብን ናብን ሃገር ዘተኰረ ሓበሬታን መምርሒን ኣቐዲሙ ዘርጊሑ’ዩ። ንምዕባለታት ብቐረባ ብምክትታል ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሒን ከምዘስዕብ’ውን ገሊጹ ነይሩ።

በዚ መሰረት፡ ዋላ’ኳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገርና እንተዘይተራእየ፡ ኣብ ከባቢናን ዓለምናን እናስፋሕፍሐ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና እዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሒን ንህዝቢ ኤርትራን ኣብ ኤርትራ ንዝነብሩ ወጻእተኛታትን የመሓላልፍ፦

1. ኩሉ ሰብ፡ ግድንን ህጹጽን እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ዝነብረሉ ከተማን ዓድን ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝገብሮ መገሻታት ክድርት ይግባእ።

2. ኩሉ ሰብ፡ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ክፍንተት ይግባእ።

3. ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተዋህበ መምርሒ፡ መገሻታት ካብን ናብን ወጻኢ ጐዲሉ’ኳ እንተሎ፡ ግድንን ህጹጽን ንዝዀነ ምኽንያታት ጥራይ ከምዝኸውን ክግበር’ዩ።

4. ሕጂ’ውን ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምዕባለታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብቐረባ ብምክትታል፡ ኣድላዪ ዘበለ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሒታትን ከመሓላልፍ’ዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

16 መጋቢት 2020

Categories