ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል፡ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምውህሃድ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት ንዘለወን 47 ስድራ-ቤታት ብንግድን ጥሪትን ኣጣዪሱ።

እተን ዝተጣየሳ ስድራ-ቤታት፡ ኣለይቲ ስንኩላንን ዘኽታማትን፡ ከምኡ’ውን ስድራ ስዉኣት ኮይነን፡ ንነፍሲ-ወከፈን 10 ሽሕ ናቕፋ ብምምዳብ፡ ኣብ ገጠር ብጥሪት ኣብ ከተማ ድማ ብንግዲ’የን ተጣዪሰን ዘለዋ።

እቶም ዝተጣየሱ ወገናት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እዚ መንግስቲ ዝገበረሎም ሓገዝ፡ ጸገማቶም ኣብ ምቅላል ደራኺ ተራ ከምዝህልዎ ብምእማን፡ ናብራኦም ንምምሕያሽ ከምዝጽዕሩ ኣረጋጊጾም።

ኣባላት ኮሚተ ምጥያስ ብወገኖም፡ መስርሕ ምልላይ ናይ’ተን ስድራቤታት ብውህደት ከምእተሳላሰለ ብምሕባር፡ ተጣየስቲ ብዝረኸብዎ ሓገዝ ተተባቢዖም መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዮም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል ሓላፊ ኣሃዱ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ቴድሮስ ፍስሃየ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 61 ጽጉማት ስድራቤታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምእተጣየሳ ጠቒሱ፡ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕናን ካልኦት መሻርኽትን ብምውህሃድ ን515 ስድራ-ቤታትን ኣለይቲ ዘይብሎም ዘኽታማትን እውን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ሓገዝ ከምእተገብረ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎም ቈልዑ ብሓፈሻ ስንክልና ዘለዎም ድማ ብፍላይ፡ ማዕረ መዛኑኦም ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ብግቡእ ንኽከታተሉን ናብቲ ዝድለ ደረጃ ንኽበጽሑን፡ ኣብ 2019 ብልዕሊ 200 ሽሕ ናቕፋ ን540 ተመሃሮ ናይ ዩኒፎርምን መመዝገብን ክኽፈለሎም እንከሎ፡ ን1273 ጽጉማት ተመሃሮ ድማ ናውቲ ትምህርቲ ብነጻ ከምእተዓደሎም ገሊጹ።

Categories