ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ገምጋም ቀዳማይ እብረ ዓመተትምህርቲ 2019/2020 ብ13 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ኣካዪዱ።

ሓላፊ ናይ’ቲ ጨንፈር መምህር በላይ ሃብተጋብር፡ እቲ ገምጋም መቐጸልታ ናይ’ቲ ብደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲን ንኡስ ዞባታትን ክካየድ ዝጸንሐ ገምጋማት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንዝነበረ ድኻማትን ብልጫታትን ብምልላይ ምምሕያሽ ንምምጻእ ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ ዝቐረበ ገምጋም፡ መጠን ምሕላፍ ተማሃሮ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ከምዝወሰኸ፡ እንተዀነ ግና፡ ኣብ ገለ ዓውድታት ትምህርቲ ገና ድኻማት ይርአ ስለዘሎ ተወሳኺ ጻዕሪ ከምዘድሊ ተገሊጹ።

ኣብ ዝቐረበ ገምጋም፡ መጠን ምሕላፍ ተማሃሮ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ከምዝወሰኸ፡ እንተዀነ ግና፡ ኣብ ገለ ዓውድታት ትምህርቲ ገና ድኻማት ይርአ ስለዘሎ ተወሳኺ ጻዕሪ ከምዘድሊ ተገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ለውጢ ይመጽእ ከምዘሎ ብምብራህ፡ ብድሆታት ንምቅላል ዝሰላሰል ዘሎ ዕማምን ምትእትታው ዲጂታላዊ ትምህርቲን ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ሕጽረትን እርጋንን ኮምፕዩተራት መፍትሒ ክናደየሉ፡ ገለ ናይ መባእታ መጻሕፍቲ ገምጋም ክካየደሎም፡ ወለዲ ኣብ ምክትታል ደቆም ዕቱባት ክኾኑ፡ ንኣደ ቈልዑ ደቂ-ኣንስትዮ መምህራን ኣብ ኣብያተ-ትምህርተን ተዳልዩ ዘሎ መውዓሊ ህጻናት ውጽኢቱ ብቐሊል ዝግመት ስለዘይኮነ ብዝሰፍሐ ክድፋኣሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories