ኣብ ከተማታት ተሰነይ፡ ባረንቱን ኣቑርደትን፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኣገዳስነት ማዕድን ኣዮዲን ዝተሓወሶ ጨው፡ ከምኡ እውን ንኣጠቓቕማኡን ኣተዓቓቕባኡን ዝምልከት ጐስጓሳት ተኻዪዱ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ዶክተር ሓየሎም ኪዳነ፡ ግጉይ ኣጠቓቕማ ኣዮዲን ብቐሊሉ ክፍወስ ዘይክእል ነባሪ ስንክልናን ዝሕታለ ኣእምሮን ከምዘስዕብ ብምሕባር፡ ሕብረተሰብ ንነብሱን ጥሪቱን ኣዮዲን ዝተሓወሶ ጨው ብግቡእ ክጥቀም ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ተወካሊ ስነ-መግቢ መንእሰይ ፉኣድ መሓመድ ድማ፡ ብሰንኪ ኣብ ኣተዓቓቕባን ኣጠቓቕማን ኣዮዲን ዝተሓወሶ ጨው ዝርአ ሸለልትነት ብዙሓት ዜጋታት ግዳይ ዋሕዲ ኣዮዲን ይኾኑ ብምህላዎም፡ ኣፍረይቲ፡ ኣከፋፈልትን ተጠቀምትን ሳዕቤኑ ተገንዚቦም ውሕስነቱ ዘይተረጋገጸ ጨው ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ ተላብዩ።

ዳይረክተር ክፍሊ ንግዲ፡ ምስናዕን ማዕድንን ዞባ ጋሽ-ባርካ ኮሎኔል የማነ ፍስሃየ ድማ፡

ወሃብቲ ኣገልግሎት ንተጠቀምቲ ዘቕርብዎ ጨው ኣዮዲን ከምዘለዎ ከረጋግጹን ብግቡእ ክዕቅብዎን፡ ተጠቀምቲ ድማ ረብሓኡ ተገንዚቦም ብስሩዕ ክጥቀሙሉ ብምዝኽኻር፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ብደረጃ ዞባን ንኡሳን ዞባታትን ተቘጻጸርቲ ኮሚተታት ከምዝቘማ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ትካላት መፍረ ጨው ዕቱብ ቁጽጽር ክግበረለን፡ ህላውነት ኣዮዲን ኣብ ጨው ንምርግጋጽ ድማ ቀጻሊ ሞያዊ ምክትታል ክግበር ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories