ኤርትራ፡ ኣብ 10ይ ኣኼባ ዓለማዊ መድረኽ ከተማታትን ምኽታምን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መበል 75 ስሩዕ ኣኼባ ኮሚተ ኣህጉራዊ ውዕል ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ተሳቲፋ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም ንኤርትራ ብምውካል፡ ከምኡ’ውን ከም ኣቦ-መንበር ፕሮግራም ሰብኣዊ ሰፈራ ሕቡራት ሃገራትን ኣባል ኣማኻሪ ኣካል ናይቲ መድረኽን ብምዃን፡ ካብ 8 ክሳብ 13 ለካቲት ኣብ ኣቡዳቢ – ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ ተሳቲፉ።

ኣብ’ቲ፡ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት፡ ወከልቲ መንእሰያት፡ ደቂ-ኣንስትዮን ስንኩላንን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምኽታም ዝግደሱ ኣካላት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ንምዕባለ ኣብ ዘገድስ ስትራተጅያዊ መደባት ተዘትዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ብፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ14 ለካቲት ኣብ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተቓንዐ – መበል 75 ስሩዕ ኣኼባ ኮሚተ ኣህጉራዊ ውዕል ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ተሳቲፉ።

እቲ ልኡኽ፡ ኣቐዲሙ ናይ ዝቐረበን ካብ 2013 ክሳብ 2017 ዝሽፍንን፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን መዳያት ዝተመዝገቡ ምዕባለታትን ዝተጨበጡ ዓወታትን ዝግምግም – 6ይ ጸብጻብ መንግስቲ ኤርትራ፡ ተወሳኺ መብርህን መረዳእታን ኣቕሪቡ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሮማ፡ ሚላኖ፡ ቦሎኛ፡ ፓርማ፡ ፊረንሰ፡ ፒዛ፡ ናፖሊ፡ ካታንያ፡ ባሪ፡ ቨርኖን ቶሪኖን – ኢጣልያ፣ ሰሜንለንደን – ዓባይ ብሪጣንያ፣ ማንሃይምን ካይዘርስላውተርን – ጀርመን ድማ፡ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ብድምቀት ጸምቢሎም።

ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጁባ ከኣ፡ ብ16 ለካቲት ‘ጽልዋ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ ብዝብል ኣርእስቲ ሓባራዊ ዘተ ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ንቕሓት መንእሰያት ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምብራኽ ዝዓለመ ዘተ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጐድኒ-ጐድኒ ረብሓታቱ – ኣሉታዊ ጽልዋታት’ውን ስለዘለዎ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብንቕሓትን ኣፍልጦ ብዘዕብን ኣገባብ ክጥቀመሉ ጻውዒት ቀሪቡ።

Categories