ሃገራዊ ማሕበር ቀመማዊ ምህንድስና፡ ብ22 ለካቲት – ኣብ ኣስመራ ንኢንዱስትርያዊ ድሕነት ዝምልከት ዋዕላ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትርያዊ ትካላት ዝተወከሉ ሞያውያን፡ ኣባላት ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን፡ ማሕበር መማህራን ኤርትራን ካልኦት ትካላትን ዝተወከሉ 110 ሞያውያን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ንድሕረ-ባይታ ኢንዱስትርያዊ ድሕነት፣ ሕጋዊ ኣተሓሕዛ ኤርትራ ኣብ ሞያዊ ድሕነትን ጥዕናን፣ ከምኡ’ውን ንድሕነታዊ ምሕደራ ኣብ ኩባንያታት ቢሻን ቶታልን ዝምልከት መጽናዕታዊ መግለጺታትን ንሓላፍነት ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዘነጽር ሕግታትን ቀሪቡ።

ኣብቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ፡ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ድሕነት ዘተኰረ ስልጠናታት ክወሃብ፣ ኣብ ዕዮን ዓያይነትን ዘሎ ንቕሓት ክዓቢ፣ ሞያዊ ድሕነትን ጥዕናን መቈጻጸሪ መስርሕ ክግበረሉ፣ ውሕስነት ሰራሕተኛታት ንምዕቃብ ዘድሊ መሳርሒታት ክቕረብ፣ ንሞያዊ ድሕነትን ጥዕናን እትከታተል ኮሚተ ክትምስረት፣ ዘጋጥም ሓደጋታት ክምዝገብን ብግቡእ ክመሓላለፍን ዝብሉ ዛዕባታት ብሰፊሑ ተዘትዩሎም።

ጸሓፊ ማሕበር ኢንጂነር ቶማስ ሃብተ፡ ንህሉው ኩነታት ሞያዊ ድሕነትን ጥዕናን ዝምልከት ሓፈሻዊ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብ ትካላት ዘጋጥሙ ሓደጋታት ኣቐዲምካ ኣለሊኻ ንምክልኻሎም ምስራሕ፡ ካብ’ቲ ቀንዲ ቈላሕታ ዝወሃቦ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories