ኣብ መስመር ነፋሲት-ባጽዕ ዝካየድ ዘሎ ጽገናታት ጽርግያን ድንድላትን፡ ኣብ ምክልኻል ሓደጋታትን ሳዕቤናቱን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ፡ በቲ መስመር ዝመላለሱ መራሕቲ መካይን ሓቢሮም።

ብሰንኪ ምብልሻው እቲ መስመር፡ ኣብ ሰብን ተሽከርከርቲን ቀሊል ዘይኮነ ጉድኣት ክወርድ ምጽንሑ፡ ኤሪና ዝተወከሰቶም መራሕቲ መካይን ገሊጾም።

ኣብ እዋን ግመን ለይትን ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎ – ግን ከኣ ምስ ምንዋሕ ግዜ ሃሲሱ ዘሎ ኣንጸባራቒ መስመር፡ ትግባረኡ ክቀላጠፍ ድማ ኣዘኻኺሮም።

ካብ ኩባንያ ሓፈሻዊ ህንጸትን ልምዓትን ገደም – ጆሜትራ ዳንኤል መብራህቱ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ጽገና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ስራሕ – ዓንዩ ዝጸንሐ ደጋፊ መናድቕ ምጽጋን፡ ሓመድ ዝመልአ ቢንቶታትን ካናሌታትን ምጽራግን ኩርባታት ምምሕያሽን ከምዘጠቓልል ሓቢሩ።

Categories