ሓረስቶት ምድላዋቶም ንክራማት ብእዋኑ ከጻፍፉ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ ምስ ሓረስቶት 43 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራን ድባርዋን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ሃብተኣብ ካብ 11 ክሳብ 19 ለካቲት በብከባቢኡ ምስ ሓረስቶት ኣብ ዝገበሮ ርክባት፡ ሓረስቶት ናይ ሕርሻ መደባቶም ብሓፈሻ፡ ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብን ግራውቶም ናይ ምምድማድን ምድኳዕን ንጥፈታት ድማ ብፍላይ ብኣጋ ክዛዝሙ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ክራማት፡ ጻህያይ ንእቶት ብኣሉታ ከምዝጸለዎ ዝሓበረ ኣቶ ሃብተኣብ፡ ሓረስቶት ነዚ ተርእዮ’ዚ ንምክልኻል ኣብ ግራውቶም ዑደት ኣዝርእቲ ከዘውትሩ ኣዘኻኺሩ። ቀጻሊ ሞያዊ ምኽሪ ዝረኽቡሉ ባይታ ንምፍጣር ዝተዋደደ መደብ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

ዋና ዳረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ የማነ ኣባይ፡ ባህርያዊ ድዅዒ (ኮምፖስ)፡ ኣብ ምክልኻል ጻህያይ ኣገዳሲ ተራ ስለዘለዎ – ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሩ።

ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ መድሃኒታት ጸረ ጻህያይን ባልዓትን ከምኡ’ውን ዝተመስርሐ ድዅዒ – ምድካይን ምብካልን ትሕዝቶ መሬት ስለዘስዕብ፡ ሓረስቶት ካብ ምጥቃሙ ክቑጠቡ ዘተሓሳሰበ ኣቶ የማነ፡ ሓረስቶት ምሩጽ ዘርኢ ከዘውትሩ መኺሩ።

Categories