ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝነበረ ህጡር ክራማት፡ እቶት ሕርሻ ብ36 ሚእታዊት ከምዝዓበየ – ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ብ13 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣቶ ርእሶም ክፍለማርያም፡ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ኣብቲ ንኡስ ዞባ ሰፊሕ ዝርጋሐን መጠንን ዝነበሮ ዝናብ ብምዝናቡ፡ መብዛሕትኦም ኣዝርእቲ ጽቡቕ እቶት ከምዝሃቡ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዘለዋ ዲጋታትን ራህያታትን እኹል ዓቐን ማይ ብምኽዛነን፡ ንጠለባት ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ከምኡ’ውን ልምዓት ጀራዲን ኣረጋጊአን ምህላወን ጠቒሱ ድማ፡ ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ዓጺድ፡ ኣብ ምጽጋን ጽርግያታትን ከባቢያዊ ጽሬትን ንዘርኣዮ ተወፋይነት ሞጒሱ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት 34 ሽሕ ናቕፋ ንጽጉማት ስድራ ስዉኣት ከበርክቱ እንከለዉ፡ ነበርቲ 22 ምምሕዳራት ከባቢ ድማ – ኣብ ማሕረስ፡ ዓጺድ፡ ምጽጋን ኣባይትን ካልእን ከምእተሓጋገዙ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ በሪሁ።

ኣብ ዓድታት ሃገር፡ ዓዲ-ተኽሉ፡ ማይ-መንጉዳን ዓዲ-ጻንፋን ን371 ዜጋታት መሬት ጤሳ ከምእተዓደለ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ ኣድላዪ ናይ ቅየሳ መስርሓት ዘማልኣ ዓድታት ታሕታይ ሓጺና፡ ዓደባዓበዱ፡ ዓደበዛ፡ ዝርቤንን እምባጎዳይን ከምዝዕደል ተፈሊጡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ መስመር ዓረዛ – ማይ-ድማ ምዱባት ኣውቶቡሳት ስለዘየለዋ ክሕሰበሉ፡ ዋሕዲን እርጋንን ኣምቡላንስ ኣቓልቦ ክግበረሉ፡ ቀረብ ናይ ህንጻ መሳርሒታትን ጥረ ነገራትን ፍታሕ ክናደየሉ ዝብሉ ርእቶታት ኣቕሪቦም።

Categories