ኣብ ንኡስ ዞባ ገለዓሎ – ኣብ ዓድታት ዓሳ ዒላ፡ ኢንገል፡ ገለዓሎን ቦርደሊን፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርትን ውጽኢቶምን በብግዜኡ ምምሕያሽ የምጽእ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ዳይረክተር ናይ’ታ ኣብ ገለዓሎ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ስዉእ መሓመድ ሓቢብ – መምህር መሓመድ ሓሎ ዓሊ፡ ኣብ ህዝቢ ዝጸንሐ ትሑት መረዳእታ ንምምሕያሽ ዝተኻየደ ጐስጓሳት ከምኡ’ውን ዝተቐረበ ናውቲ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይገብር ምህላዉ ኣገንዚቡ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ዕድል ትምህርቲ ዝሓለፎም ጓሶት – ነቲ ዕድል ረኺቦምዎ ትምህርቶም ብግቡእ ይከታተሉ ከምዘለዉ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ከምዝበጽሐ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ላዕለዎት ኮለጃት ተማሂሮም፡ ኣብቲ ከባቢ ብሞያ ምምህርና ተዋፊሮም ዘለዉ መንእሰያት፡ ኣብ ህዝብን ተመሃሮን ጽቡቕ ኣብነት ኮይኖም ከምዘለዉ መምህር መሓመድ ሓሎ ኣረዲኡ።

Categories