ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ-መዳያት ህይወት መሪሕ ተራ ንኽጻወታ ዘኽእለን ዓቕሚ ንምድላብ ብዝወጠኖ መደብ፡ ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ንዝተዋጸኣ 50 ደቂ-ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ስልጠና ሂቡ።

እቲ ካብ 5 ክሳብ 7 ለካቲት ዝቐጸለ ስልጠና፡ ብቐንዱ ኣብ ምሕንጻጽን ምግምጋምን መደባት ስራሕ ዘተኰረ ነይሩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ማሕበር፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ሃገራዊ ኣተሓሳስባን ሓባራዊ መረዳእታን ኣብ መንእሰያት ንምስራጽን ታሪኽን ሃገራዊ ክብርታትን ንምብራኽን ዝዓለመ ኣስተምህሮ እውን፡ ካብ 4 ክሳብ 9 ለካቲት ወዲቡ።

እቲ ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ዝተዋጽኡ 56 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ልዕሊ 100 ተመሃሮ 2ይ ደረጃ ዝተሳተፍዎ ኣስተምህሮ፡ ስነ-ልቦና ዓወት፡ ሃገርን ሃገራውነትን፡ ኣዕኑድ ሃገራዊ ቻርተርን ትርጉም ፖለቲካን ካልእን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ንሰልጠንቲ መንእሰያት፡ ኣብ ምሕያል ግንባር፡ ድሕረ-ባይታን መንነትን ሃማደኤ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣገዳስነት ትምህርትን ጽልዋኡ ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰባትን ዘተኰረ ሰሚናራት፡ ብጸሓፊ ህግደፍ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርትን ሓላፊት ሃማደኤን ተኻዪዱ።

ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ዞባ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ – ን83 ኣባላት ኮማዊ ሰረት ተሃድሶ ዓድን መሻርኽቶምን፡ ኣብ ኣተኣላልያን ኣተሓሓዛን ስንኩላን ብዕቱብ ክሰርሑ ዝሕግዞም ናይ ሓደ መዓልቲ ስልጠና ተዋሂቡ።

ነቲ ስልጠና ዝሃበት ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ዓንሰባ ተኸታታሊት ስንኩላንን ኣረጋውያንን ወይዘሪት ኢልሃም ጀማል፡ ኣባላት ኮማዊ ሰረት ተሃድሶ ዓዲ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ ብምውህሃድ ስንኩላንን ኣረጋውያንን ብግቡእ ኣብ ምእላዮም ክዋስኡ ተላብያ።

ሓላፊ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ኣቶ ሰለሙን መሓሪ፡ ኣባላት ኮማዊ ሰረት ተሃድሶ ዓዲ – ስንኩላን ኣብ ምክትታልን ምእላይን ንዝገብርዎ ዘለዉ ስራሓት ኣመስጊኑ።

Categories