ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ፡ ብ14 ለካቲት ኣብ ከተማ ከረን ምስ ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝም ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ገበን ጸረ ምዕባለን በካሊ ክብርታትን ስለዝዀነ፡ ተራ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ወነንትን ሰራሕተኛታትን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ምክልኻሉ ክዓዝዝ ጸዊዑ።

ኣብ ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ምክልኻል ገበን ሌተናል ኮሎኔል ጎይትኦም ገብረጻድቕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕማም ፖሊስ – ምውሓስ ሰላምን ጸጥታን፡ ምክልኻል ገበን፡ ገበን ምስ ዝፍጸም ድማ ንገበነኛታት ሒዝካ ኣብ ሕጊ ምቕራብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ግን ብዘይ ንቑሕ ምትሕብባር ህዝቢ ክሰምር ከምዘይክእል ኣብሪሁ።

ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ገበን ምፍጻም ካብ ተሓታትነት ከምዘየድሕን ዝሓበረ ሌተናል ኮሎኔል ጎይትኦም፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበሩ ኣነወርቲ ተግባራት ይቀላቐሉ ስለዘለዉ፡ ከይሳዕረሩ ንምግትኦም ምእንቲ ክከኣል፡ ወነንትን ሰራሕተኛታትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ምስ ፖሊስ ዘለዎም ዝምድና ከደልድሉ ኣዘኻኺሩ።

ንጠንቂታትን ሳዕቤናትን ገበን ከምኡ’ውን ብገበነኛታት ዝዝውተሩ ባህሪያት ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበ ሌተናል ኮሎኔል ጎይትኦም፡ ገበን እናተፈጸመ ዘይምሕባርን ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምዃንን ብገበን ዘሕትት ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣብ 2019 ኣብ ንጥፈታተን ጉድለት ዘርኣያ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት 159 ምዃነን፡ እዚ ምስ’ቲ ናይ 2018 ክርአ እንከሎ ከምዝወሰኸ ብምጥቃስ ድማ፡ ወነንትን ሰራሕተኛታትን ሸለልትነት ብምውጋድ ዕቱብ ምቁጽጻር ክገብሩ ተማሕጺኑ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ገበን ዝዝውተረሎም ከባቢታት ተጸኒዖም ሓለዋን ምቁጽጻርን ክግበረሎም፡ ሓበሬታ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ድማ ቅልጡፍ መልሰ-ግብሪ ክውሰድ ተላብዮም።

Categories