ኣብ ማእከል ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሃበሮ – ዓሪታይ ክካየድ ዝቐነየ ባህላዊ፡ ስነ-ጥበባውን ስፖርታውን ቅነ ተመሃሮ፡ ልዑል ተሳትፎ ተመሃሮን መንእሰያትን ብዝተንጸባረቐሉ ሃዋህው ተዛዚሙ።

እቲ ካብ 1 ክሳብ 5 ለካቲት ዝተኻየደ ቅነ፡ ንዕቑር ዓቕሚን ዝንባለን መንእሰያት ኣብ ባህላዊ፡ ስነ-ጥበባውን ስፖርታውን ንጥፈታት ዝፍትሽ ብምንባሩ፡ ኣብያተትምህርቲ ብዝለዓለ ደረጃ ተሳትፎአን ዘንጸባረቓሉ መድረኽ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ኣቶ ፍትዊ ገብረመስቀል፡ ባህላውን ስፖርታውን ውድድራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽዓቢ ሓያል ተሳታፍነት ክንጸባረቕ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ብፍላይ መንእሰያት ኣብዚ ተውህቦኦም ዝፍትሽን ዘማዕብልን መድረኻት ክሳተፉ ተላብዩ።

ነቲ ጋንታታት ምምሕዳራት ከባቢ ዓሪታይ፡ ሃበሮ ጸሊም፡ ሃበሮ ጻዕዳ፡ ቃርዖበል፡ ፍልፍለን ማእከል ጥዕና ንኡስ ዞባ ሃበሮን ዝተሳተፍኦ ውድድራት፡ ጋንታ ‘ኣልኣመል’ ናይ ዓሪታይ ተዓዊታትሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብኽልቲኡ ጾታ ብውልቅን ብጋንታን ንዝተዓወቱ ሽልማት ተዓዲሉ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ሃበሮ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ባህልን ስፖርትን መምህር ማሕሙድ ዓሊ፡ ነቲ መደብ ክውን ንምግባር ንዝተሳተፉ ወለዲን ትካላት መንግስትን ብምምስጋን፡ ትሕተ-ቅርጺ ስፖርት ንምምሕያሽን ንምምዕባልን ተራ ሕብረትሰብን መሻርኽቲ ኣካላትን ክዓዝዝ ኣተሓሳሲቡ።

Categories