ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ምስ ዘሎ ኩነታት – ብስግር ባሕሪ ይኹን ብመሬታዊ ዶባት ኤርትራ ተርእዮ ወራራት ኣንበጣ ክኽሰት ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ህዝብን ኩለን ኣካላት መንግስትን ከም ወትሩ ኣብ ጥቡቕ ምክትታል ክጽመዱ ጸዊዑ።

እቲ ሚኒስትሪ ብ24 ጥሪ ናብ ኤሪና ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፡ ተርእዮ ኣንበጣ ምስ ዝኽሰት፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ኣብያተ-ጽሕፈት ምምሕዳራትን ጨናፍር ሕርሻን ብቕልጡፍ ክለኣኽ እውን ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ለበዳ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዕሊ ትጽቢት እናሰፍሐ፡ ኣብ ዘራእቲ ድማ ኣዝዩ ከቢድ ሃስያ እናኣውረደ ይቕጽል ከምዘሎ ይግለጽ።

ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም፡ እዚ ለበዳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ካብ ዝተራእየ ለበዳታት ኣንበጣ፡ እቲ ዝኸፍአ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ምንቅስቓስን በረራን ኣንበጣ ኣዝዩ ቅጽበታውን ተቐያያሪን ብምዃኑ፡ ሃገርና እውን እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሪዱ ዘሎ ሓደጋ ኣንበጣ ክጸልዋ ስለዝኽእል፡ እቲ ስሕት ኢሉ ዘጋጥም ዘሎ – ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝብገስ ወራራት ኣንበጣ፡ ከደቅስ ዘይክእል እዩ።

Categories