ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናንኦሮታ፡ ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቲ ንምኽፋት ከካይዶ ዝጸንሐ ምድላዋት ብምጽፋፍ፡ ብ25 ጥሪ ኣብ ኣዳራሽ ሆቴል ኣስመራ-ፓላስ ወግዓዊ ናይ ምጅማር ጽምብል ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ከምኡ’ውን ካብ ‘ባፌት ፋውንዴሽን’ ዝተወከሉ ክኢላታት ተረኺቦም ነይሮም።

ፈጻሚ ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፡ እቲ ኮለጅ – ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓያል ጻዕሪ ከካይድ ከምዝጸንሐ ብምሕባር፡ እቲ መደብ ክዉን ኣብ ዝኾነሉ ደረጃ ምብጽሑ ዘሕጒስ ምዃኑ ገሊጹ።

ዲን ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን-ኦሮታ ዶክተር የማነ ስዩም፡ እቲ ናይ ድሕረ-ምረቓ መደብ – ብሕክምና ህጻናትን ማህጸንን ከምዝጅምርን ነዚ ዝበቅዕ እኹል ምድላዋት ተገይሩ ከምዘሎን ሓቢሩ።

ዳይረክተር ‘ባፈት ፋውንዴሽን’ – ኢትዮጵያዊት ፕሮፌሰር ሰናይት ፍስሃ ድማ፡ እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ – ወረቐት ምስክር ንምሓዝ ዘይኮነ፡ ሓገዝካ ንእትደሊ ህይወት ምሕጋዝን ምድሓንን ከምዝኾነ ኣዘኻኺራ።

እቲ ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቲ፡ ዝመጽእ 3 ለካቲት 2020 ክጅምር እዩ።

Categories