ባይቶ ዞባ ማእከል፡ “ሓድሽ መድረኽ ንትስፍው መጻኢ” ብዝብል ቴማ፡ ብ24 ጥሪ መበል 19 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣካዪዱ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ኣብርሃም ሰመረ፡ ባይቶ ኣብ መበል 18 ኣኼባኡ ዘሕለፎም ለበዋታትን ውሳኔታትን – ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምልዛብ ተፈጻምነት ክረኽቡ ኣብ ስራሕ ከምዝጸንሐ ብምሕባር፡ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ከከም ቀዳምነታቱ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ኣባላት ባይቶ፡ መነባብሮ ህዝቢ ክመሓየሽ ክውሰድ ኣብ ዘለዎ ስጉምቲታት ብዕምቈት ድሕሪ ምምይያጥ፡ ምጉሓፍ ቈርበት ዘስዕቦ ዘሎ ብከላ ኣከባቢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝምስራሓሉ ኣገባባት ክተኣታቶ፡ ኤሪቴል ኣብ ዋጋ ካርድ ሞባይል ዳግመግምት ክገብርን ናይ 55 ናቕፋ ካርድ ኣብ ጥቕሚ ከውዕልን፡ ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ኣቕሪቦም።

ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ዕድላት ሽቕለት ዝሰፍሓሉን ፍቓድ ህንጻን ንግድን ዝቀላጠፈሉን ኩነታት ክፍጠር፣ ኣብ ዋጋታት ኤሌክትሪክ፡ ጋዝን ነዳዲን ካልኦትን ዘሎ ክብሪ ዋጋታት ዳግመ ምኽላስ ክግበረሉ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምስ ተዃዕተ ናብ ንቡር ዘይተመልሰ ጽርግያታትን መትረብ ረሳሕ ፈሳስን ኣቓልቦ ክግበረሉ፣ ጸገም ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ዝካየድ ጻዕርታት ክሕይል. . . ዝብል ዝርከቦ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ደምዳሚ መግለጺን ለበዋታትን ኣውጺኡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ኣብ ዘስመዖ መዛዘሚ ቃል፡ ዞባ ነቲ ብባይቶ ዝቐረበ ለበዋታትን ጥርዓናትን ከከም ቀዳምነታቱ ንምትግባር ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories