ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ብልዑል ተሳታፍነት ህዝቢ – ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምግራብን ዝሓቘፉ ዓበይቲ ልምዓታዊ መደባት ክትግበሩ ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ብ21ን 22ን ጥሪ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰፊሕ ናይ ልምዓት ጸጋታት ኣብ መዓላ ንምውዓል፡ ኣድማዒ መደባት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ክካየድ፡ ዝበረሰ ሃብቲ ገረብ ንምትካእ ወፍርታት ምግራብ ክሰላሰል፡ ከምኡ’ውን ኣብ መእለዪ ወሓይዝ ዕቱብ መደባት ክትግበር ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ መዳይ ትምህርቲ እውን፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ ትምህርቲ ንምርግጋጽን ብቕዓት ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያልን ልዑል ቈላሕታ ክወሃቦ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ኣብ መወዳእታ፡ ምስ መደባት መኸተ ልምዓት ተዛሚዶም ዝሰላሰሉ ንጥፈታት ንምሕያል፡ ኩሉ ኣካል ሕበረተሰብ ሱታፈኡ ከዕዝዝ ምእንቲ፡ ብኣጋ ክስራሓሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣወሃሃዲ መኸተ ልምዓት ምዕራባዊ ዞባ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ፡ ልምዓታዊ መደባት’ቲ ዞባ ጭቡጥ ውጽኢት ከረጋግጽ፡ ውህደት ኣሰራርሓ ክሕይል ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ ኣብ ምእካብ ግብሪ ጥሪትን ሕርሻ ገጠርን ዘሎ ዝሕታለ ንምብርባር፡ ተራ ኣመሓደርቲ ክዓዝዝ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ዓመት ዝተወጠኑ መደባት ብዝጸፈፈ ንምስልሳሎም፡ ሕጽረት መሳርሒታት ፍታሕ ክናደየሎም ሓቲቶም።

Categories