ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽድሽተ ወርሒ ብሞያ ዝሰልጠኑ 125 መንእሰያት ተመሪቖም።

እቲ ብግብሪ ዝተሰነየ ስልጠና፡ እቶም መንእሰያት ሞያ ቀሲሞም ናይ ስራሕ ዕድላት ክረኽቡን ነብሶም ክኽእሉን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ፡ መሳርሒታት ሙዚቃን ካልእን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ኣቶ ዮውሃንስ ገብረመስቀል፡ ህንጸት መንእሰይ ህንጸት ሃገር ስለዝኾነ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ኣብ ቀዳምነታቱ ከምዝሰርዖ ገሊጹ።

መንእሰያት’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ተራሕዩሎም ንዘሎ ዕድላት ብግቡእ ክጥቀሙሉ ድማ ተላብዩ።

Categories