ኤርትራውያን ነበርቲ ሽቱትጋርትን ፍራንክፈርትን – ጀርመን፣ ስቶክሆልም – ሽወደን፣ ጁባ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፣ ቢል-ቤን – ስዊዘርላንድን ቦሎኛ ኢጣልያን፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ብመሰረት’ዚ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሽቱትጋርትን ፍራንክፈርትን – ጀርመን፡ ብ18ን 19ን ጥሪ፡ “ቁጠባዊ ወፍሪ፡ ጸጋታትን ዕድላትን ኣብ ኤርትራ” ብዝብል ቴማ ሰፊሕ ሰሚናር ተገይሩሎም።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ፡ ሃገራዊ ራእይና፡ ሓድነት፡ ማዕርነትን ክብርታትን ዝሰረታ ዘይትድፈርን ብልጽግትን ኤርትራ ምህናጽ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገርና ንምምሕያሽ፡ መነባብሮ ህዝቢ ንምምዕባልን ዘድልዩ ቀንዲ ጠለባት ንምምላእን ዝዓለመ – ተጣጢሑ ዘሎ ናይ ወፍሪ ዕድላት፡ ዜጋታት ክረብሑሉ ድማ ጸዊዑ።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣማኻሪ ቁጠባ ኣቶ ዮውሃንስ እያሱ እውን፡ ብሕታዊ ወፍሪ ንምብግጋስ ዝሕግዝ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ሃማደኤ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም – ሽወደን ድማ፡ ናይ 2019 ንጥፈታቱ ድሕሪ ምግምጋም፡ መደባት ስራሕ ዓመተ-2020 ሓንጺጹ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንሳዕቤናት ስነኣእምሮኣዊ ጥዕናዊ ጸገማትን ኣፈዋውሳኡን ዝምልከት ሞያዊ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ሃማደኤ ጨንፈር ስዊዘርላንድ እውን፡ ብ18 ጥሪ ኣብ ከተማ ቢል ቤን ኣብ ዘቃነዖ ኣኼባ፡ ኣብ መደባት 2020ን ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲን ቀዋሚ ሚሽንን ኤርትራ ኣብ ጀኔቫ፡ ኣቶ ኣደም ዑስማን፡ ኣብ መደባት ልምዓት ክህሉወን ብዛዕባ ዝግባእ ኣበርክቶን ውሽጣዊ ናጽነት ውዳበታተንን መግለጺ ሂቡ።

ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ብወገኑ፡ ብ19 ጥሪ፡ “ምዕቃብ ባህልን ምስግጋር ክብርታትን” ብዝብል ቴማ ሓባራዊ ዘተ ኣካዪዱ።

ብኻልእ ወገን፡ ኮሚተ ሚድያ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኢጣልያ፡ ብ19 ጥሪ ኣብ ከተማ ቦሎኛ 4ይ ጉባኤኡ ኣካዪዱ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ፡ እቲ ኮሚተ ሚድያ – ንዝያዳ ምዕባለኡ ዝያዳ ጻዕሪ ከምዘድልዮ ኣገንዚቡ።

 

Categories