ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ኣብ 2006 ወዲ 10 ዓመት እንከሎ ብሓድጊ መግዛእቲ ዝዀነ ነታጒ ክልተ ዓይኑ፡ ክልተ እግሩን ሓንቲ ኢዱን ንዝሰኣነ መንእሰይ ሙሉጌታ መልኣከ፡ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ነባሪ ጓጓት – ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ መንእሰይ ሙሉጌታ መልኣከ፡ ንምንቅስቓስ እተገልግሎ ዓረብያ (ዊልቸር)፡ 26 ሽሕ ናቕፋ፡ ከምኡ’ውን ኣልባሳት ከም እተረከበ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ነቲ ሓገዝ ዘረከበ ኣቶ ኣማኒኤል ይግዛው፡ ብዛዕባ’ቲ ተበግሶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ማሕበራውን ስነ-ጥበባውን ህይወት መንእሰይ ሙሉጌታ ዝገልጽ መደብ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ምስ ተዓዘቡ፡ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጐስጓስ ከምዘካየዱን፡ እቲ ሓገዝ ከም እተኣከበን ኣረዲኡ።

“እንቋዕ ኤርትራዊ ኰንኩ’’ ብምባል ዘረባኡ ዝጀመረ – ሎሚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ሙሉጌታ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ብገንዘብ፡ ብንዋትን ብሞራልን ከምዝድግፍዎ ብምሕባር፡ በዚ ኣካል ኤርትራዊ ባህሊን ክብርታትን ዝዀነ ተግባር ሓበን ከምዝስመዖ ገሊጹ።

ኣብ ዕድመ ህጻንነቱ ከቢድ ስንክልና ዘጋጠሞ ሙሉጌታ መልኣከ፡ ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ናይ ካልኣይ ክፍሊ ትምህርቱ ከይዛዘመ እኳ እንተተዀልፈ፡ ኣብ እዋን ቊልዕነቱ ብዝውንኖ ዝነበረ ብልሒን ተስፋ ናይ ዘይምቑራጽ ባህሪን፡ ስነ-ጥበባዊ ዝምባለኡ ንምዅስኳስን ንምምዕባልን ብዘካየዶ ጻዕሪ፡ ንብዙሓት ኣብነት ክኸውን በቒዑ ኣሎ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ፡ ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ ኣቶ ምሕረትኣብ ኣብርሃ ዝተባህለ ግዱስ ዜጋ ብዝሽፍኖ ምሉእ ወጻኢታት ክራይ ገዛን ቀለብን፡ ብኣላይነት ምዕባዩ ሓብቱ ኣብ መንደፈራ ይቕመጥን ናይ ሙዚቃ ስልጠና ይቐስምን ከምዘሎ ተፈሊጡ።

መንእሰይ ሙሉጌታ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2006 እዩ – ምስ ምንኣሱ ሓዉን ክልተ ብጾቱን ንመጓሰ ናብ በረኻታት ዓዶም ምስ ወፈሩ፡ ተደርብዩ ዝጸንሖ ነታጒ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምቕጥቃጡ – ተፈንጂሩ ከቢድ ስንክልና ኣውሪዱሉ።

Categories