ኣብ ከተማ ከረን እትርከብ – ካብ መላእ ሃገር ዝመጹ ተመሃሮ ተቐቢላ እተምህር ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ጽሙማን፡ ብልዕሊ 5 ሚልዮን ናቕፋ ተወሰኽቲ መምሃርን መደቀስን ክፍልታት ይስራሓላ ኣሎ።

እዚ መንግስቲ ብዝወሰዶ ተበግሶ ዝስራሕ ዘሎ ሽዱሽተ ክፍልታት፡ ሓደ መምሃሪ ክፍልን ሓደ ንመደቀሲ ዘገልግል ብሎክን ከምዘጠቓልል ዝሓበረ ተጸዋዒ ኣብያተ-ትምህርቲ ጽሙማን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ መምህር መድሕን ዮውሃንስ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘለዎ ኣስተዋጽኦ፡ ዝበዝሐ ቊጽሪ ተመሃሮ ንምቕባል ከምዝሕግዝ ገሊጹ።

ዕላማን ራኢን ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ፡ ጽሙማን ዕድላት ትምህርቲን ሞያን ረኺቦም፡ ኣፍረይቲ ዜጋታት ንምግባሮም ምዃኑ – መምህር መድሕን ኣረዲኡ።

እቲ መስርሕ ህንጻ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ 55 ሚእታዊት ተዓሚሙ ከምዘሎ ዝገለጸ ነቲ ስራሕ ዝከተተል ዘሎ ኢንጅነር ወልደሩፋኤል ወልዲት፡ ድሕሪ 4 ወርሒ ክዛዘም ትጽቢት ከምዘለዎም ሓቢሩ።

ኣብ 1955 ዝተሃንጸትን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ፋልመይቲ ዝኾነትን ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ጽሙማን ከረን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ መላእ ሃገር ንዝመጹ 45 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 92 ተመሃሮ፡ ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ክፍሊ ተአንግድ ኣላ።

Categories