ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ “ውሁድ ጻዕሪ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ንዝያዳ ፍርያምነት” ብዝብል ቴማ፡ ብ23 ጥሪ መበል 18 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ባረንቱ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ዑስማን መሓመድዓሊ፡ ባይቶ – ምምሕዳር ዞባ ን2020 ወጢኑዎ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ወፈራታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ከም ቀንዲ ዕማሙ ሰሪዑ ክሰርሓሉ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ኣባላት ባይቶ ንህዝቢ ኣብ ምውዳብን ትግባረ መደባት ኣብ ምክትታልን ብንጥፈት ክዋስኡ ኣዘኻኺሩ።

ኣቐዲሞም ካብ ዝሓለፉ ውሳነታት ባይቶ እቶም ዝበዝሑ ከም እተተግበሩ፡ ገለ ድማ ኣብ መስርሕ ከምዝርከቡ ዝጠቐሰ ኣቶ ዑስማን፡ ምህናጽ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ኣብ ትካላት ጥዕና፡ ምርግጋጽ ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ዓድታት፡ ምቁጽጻር ብርሰት ኣግራብ፡ ምዕባይ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ ትምህርትን ምርግጋጽ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን፡ ካብቶም ገና ተወሳኺ ጻዕሪ ዘድልዮም ዘለዉ መደባት ምዃኖም ኣገንዚቡ።

ንታሪፍ ክፍሊት ኣገልግሎታትን ካልእ ኣታዊታትን ዞባ ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ 2012 ዝጸደቐ ውሳነ ዳግመ-ግምት ከምዝግበረሉ ገሊጹ።

ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ምዕዋት መደባት ብዝለዓለ ክዋስኡን መራሕቲ ክኾኑን ዘዘኻኸረ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ብወገኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዘጋጥሙ መሰረታውያን ሕጽረታት ብኣጋ ክፍትሑ ንዝምልከቶ ብምሕባር፡ ንምቅላሎም ኣብ ዝውሰድ ተበግሶ ኮም ዝሰረቱ ኣበርክቶ ክሕይል ቀላሲ ተራ ክጻወቱ ኣዘኻኺሩ።

ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ወርሒ ለካቲት ዝጅምር ስሩዕ ወፈራታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ክሳብ ዓድታት ወሪዱ ክሰላሰል፡ ብርሰት ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ንምግታእ ቁጽጽራዊ ስራሕ ክሕይል፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዝጸንሑ ቈልዑ ከምዝመሃሩ ንምግባር ዋዕላታት ክካየዱን ውሽጣዊ ሕጋጋት ክጸድቁን ዝብሉ ውሳነታት ኣሕሊፉ።

Categories