መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ “ፈንቅል ንልምዓት” ብዝብል ቴማ ካብ 7 ክሳብ 9 ለካቲት ክጽምበል እዩ።

ኣደ-መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወይዘሮ ዘይነብ ዑመር፡ ብምኽንያት’ዚ ታሪኻዊ ጽምብል ምስ ኤሪና ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ ነዚ ኮማዊ ሰረት እናሓዘ ዝመጸ ጽምብል ንምድማቕ ክካየድ ዝጸንሐ ኩሉ-መዳያዊ ምድላዋት ከምእተጻፈፈ ሓቢራ።

እቲ መደባት – ቅድድም ጀላቡ፡ መካይን፡ ሞቶረ ሳይክልን ብሽክለታን ከምኡ’ውን ኣትለቲክስ ዝሓዘ ስፖርታዊ ውድድራትን ባህላዊ መሰናድኦታትን፡ ኮማዊ ዳሳትን ወግዓዊ ጽምብልን ከም ዘጠቓልል ድማ ገሊጻ።

ብመሰረት ሓበሬታ ወይዘሮ ዘይነብ፡ ቀንዲ ጐደናታት ድሮ ከም እተሸለመ፡ ነበርቲ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ባጽዕ ድማ፡ ኣኣብ ከባቢኦም ዳሳት ብምትካል ኣጋይሾም ንምቕባል ተዳልዮም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ህዝብን ምምሕዳርን ከተማኦም ንምምዕራግ ወፈራታት ጽሬት ከካይዱ እንከለዉ፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብሓፈሻ – ሆቴላት ድማ ብፍላይ ኣጋይሸን ንምእንጋድ ቀረባተን ከም ዘማልኣ እውን ኣረዲኣ።

ነጋድያን ዝኽሪ 30 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ እኹል ኣገልግሎት መጐዓዝያ ንክረኽቡ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ትካላት ኣገልግሎት ንኣጋይሸን ብርትዓዊ ዋጋ ከአንግዳ ምእንቲ ድማ፡ ናይ ምቁጽጻር ስራሓት ክካየድ ምዃኑ፡ ወይዘሮ ዘይነብ ኣፍሊጣ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ 8 ክሳብ 10 ለካቲት 1990 ብዘካየዶ “ፈንቅል” ዝሰመዮ – ናይ መሬትን ባሕሪን በርቃዊ ስርሒት፡ ኣብ ባጽዕን ከባቢኣን ዓሪዱ ንዝነበረ ብኣሽሓት ዝቚጸር መግዛእታዊ ሰራዊት ደርግ ደምሲሱ፡ ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ሓራ ብምውጻእ፡ በሪ መላእ ሓርነት ከምዝኸፈተ ይዝከር።

Categories